መንግሥቲ ፌዴራል ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ትግራይ ንምቕፃል ዝወሰዶ ቆራፅነት ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ንእኩይ ዕላማ ተጠቒሙሉ እዩ-ኣረጋዊ በርሀ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
መንግሥቲ ፌዴራል ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ትግራይ ንምቕፃል ዝወሰዶ ቆራፅነት ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ንእኩይ ዕላማ ተጠቒሙሉ እዩ-ኣረጋዊ በርሀ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 8/2018 (ኢዜኣ)፦መንግሥቲ ፌዴራል ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ክልል ትግራይ ንምቕፃል ዝወሰዶ ቆራፅነት ህልውንኡ ዘብቀዐ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ንእኩይ ዕላማ ከም ዝተጠቐመሉ ኣቦ መንበር ትግራይ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ኣረጋዊ በርሀ(ዶ/ር) ገሊፆም።
እዋናዊ ኩነታት ብዝምልከት ምስ ኢዜኣ ፃንሒት ዝገበሩ ኣቦ መንበር ትግራይ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ኣረጋዊ በርሀ(ዶ/ር) ከም ዝበልዎ፤ መንግሥቲ ፌዴራል ኣብ ፅባሕ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብምጥያሽ ሰብኣዊ ደገፍን ዳግማይ ህንፀትን ንምቅልጣፍ ልዑል በጀት ብምምዳብ እናሰርሐ ፀኒሑ እዩ።
ይኹን እምበር እቲ ደላይ ኲናት ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ዋላ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ እንተፈረመ ሓደገኛን ዘይሕጋውን ወታደራዊ ዓቕሚ እናሃነፀ ከም ዝቐፀለ ተዛሪቦም።
ፃዕርታት ህንፀት ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን መንግሥቲ ፌዴራል ንከይዕወቱ እቲ ፅንፈኛ ጉጅለ ስራሕቲ ምትዕንቓፍ ተደጋጋሚ እናሰርሐ ከም ዝርከብ ኣረዲኦም።
እቲ ጉጅለ ንመናእሰይ ክልል ትግራይ ኣገዳዲ ወታደራዊ ግፋን ምልመላን ብምፍፃም ስግኣት ንከንፀላሉ ከም ዝገበረ እውን ሓቢሮም።
ፅንፈኛ ጉጅለ ህወሓት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ንህንፀት ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ህዝቢ እቲ ክልል ካብ ምጥቃም ዓርሱ ንምውዳብን ናይ ጥፍኣት ዕላምኡ ንምዕዋትን ከም ዝተጠቐመሉ ገሊፆም።
ኣመራርሓ እቲ ጉጅለ እውን ብመሰረት ካብ ደጋዊ ፀላኢ ዝወሃቦም ትእዛዝ ህፃናት ካብ ወለዶም ብምምንጣል እውን ሓዱሽ ሓይሊ ወዲቦም ናብ ዳግማይ ኲናት ንምእታው ስሑት ስልሒት እናተኸተሉ ከም ዝርከቡ ኣብራህሪሆም።
ህዝቢ እቲ ክልል እውን ደቁ ካብ ወታደራዊ ግፋ ንምድሓን ካብቲ ክልል ወፃኢ ናብ ዝርከቡ ከባብታትን ወፃኢ ሃገርን ብምውፃእ ዘይሕጋዊ ስራሕ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ እናተቓወመ ከም ዝርከብ ሓቢሮም።
በቲ ጉጅለ ተስፋ ዝቖረፁ ነበር ዕጡቓት እውን ካብቲ ክልል ለቒቖም ብምውፃእ ነቲ ጉጅል ብዕጥቂ ምቅላስ ከም ዝጀመሩ ኣረዲኦም።
ኣመራርሓ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ብስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ዝተጣየሸ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ብምፍራስ ጎንፂ ዘስዕብ መንገዲ እናፈጠሩ እዮም ኢሎም።
ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃእን ዝነብሩ ተወለድቲ ክልል ትግራይ፣ ካልኦት ኢትዮጵያውያንን ዓለም ለኸ ማሕበረሰብን ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ እቲ ፅንፈኛ ጉጅለ ኣጥቢቖም ክኹንንዎ ከም ዝግባእ እውን ተዛሪቦም።