ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ኣብ ታሪኽ ኣፍሪካ እቲ ዝዓበየ ፕሮጀክት መሠረተ ልምዓት ኣቪዬሽን እዩ - ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 8/2018 (ኢዜኣ)፦ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ኣብ ታሪኽ ኣፍሪካ እቲ ዝዓበየ ፕሮጀክት መሠረተ ልምዓት ኣቪዬሽን እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ አሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
እቲ ፕሮጀክት ምስ ተዛዘመ ኣብ ዓመት 110 ሚሊዮን ተጓዓዝቲ ምትእንጋድ ከም ዝኽእል እውን ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሓቢሮም።
ምዝዛም እቲ ፕሮጀክት ኢትዮጵያ ካብተን ኣብ ዓለም ኣብ ዓውድታት ኣቪዬሽን ቀዳሞት ሃገራት ንምስላፍ ዘኽእል ምዃኑ ብምግላፅ፤ ነዚ እውን ቀትርን ለይትን ብዘይቋረፅ ቆራፅነት ይህነፅ ከምዘሎ ሓቢሮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም