ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ንተሳትፎ ምኽክር ጻውዒት ኣቕሪቡ - ኢዜአ ትግርኛ
ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ንተሳትፎ ምኽክር ጻውዒት ኣቕሪቡ
ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 7/2018 (ኢዜኣ)፦ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ካብ 8 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብ ዝካየድ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር መላእ ህዝቢ ኣብ ጎኑ ንክኸውን ፃውዒት ኣቕሪቡ።
እቲ ኮሚሽን ኣብ ታሪክ ሃገርና ንመጀመሪያ ግዜ ካብ መላእ ኢትዮጵያን ከምኡ እውን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ካብ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ጠንቂ ዘይምርድዳእ ዝኾኑ ጉዳያት ብህዝባዊ ዘተ ኣኪቡ እዩ፡፡
ኣብዞም ኣጀንዳታት ብብርኪ ሃገር ምኽረ ሓሳብ ዘሰናድኣሉ ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር እውን ካብ 8 ሓምለ 2018 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንምክያድ ምድላዋቱ ዛዚሙ እዩ።
ስለዝኾነ እቲ ኮሚሽን መላእ ኢትዮጵያውያን ንዕዉትነት እዚ ታሪኻዊ ፍፃመ ኣብ ጎኑ ብምዃን ዝግበኦም ሃገራዊ ሓላፍነቶም ንክወፅኡ ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡
ብተወሳኺ እውን እቲ ኮሚሽን ኣብዚ ታሪኻዊ ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ንምስታፍ ዝተመርፁ ክፋላት ሕብረተሰብን ወከልቲ መዳርግቲ ኣካላትን ውፅኢታዊ ጉባኤ ምክያድ ዘኽእሎም ኩለመደናዊ ምድላዋት እናገበሩ ንክፅበዩ ኣተሓሳሲቡ፡፡