ልገሳ ደም ባህሊ ብምግባርን ብሌን ዓይኒ ብምልጋስን ንካልኦት ተስፋን ብርሃንን ናይ ምዃን ሰናይ ተግባር ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ

ኣዲስ ኣበባ፤ሰነ 7 /2018 (ኢዜኣ)፦ልገሳ ደም ባህሊ ብምግባርን ብሌን ዓይኒ ብምልጋስን ንካልኦት ተስፋን ብርሃንን ናይ ምዃን ሰናይ ተግባር ተጠናኺሩ ክቕፅል ከም ዝግባእ ሚኒስትር ዲኤታ ጥዕና ዶክተር ደረጀ ዱጉማ ኣተሓሳሲቦም።
ኣገልግሎት ባንኪ ደምን ሕብረ ሕዋስን ኢትዮጵያ “ሰብኣዊ ተግባር ሂወት የድሕን፤ ብርሃን ይምልስ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ መበል 23 ዓለም ለኸ መዓልቲ ለገስቲ ደምን ብሌን ዓይንን የኽብር ኣሎ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ እው ንለገስቲ ደምን ብሌን ዓይንን ከምኡ እውን ብሰናይ ተግባር ልዑል ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ ውልቀ ሰባትን ትካላትን ምስጋናን ኣፍልጦን ክወሃብ እዩ።
ሚኒስትር ዲኤታ ጥዕና ዶክተር ደረጀ ዱጉማ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ወለንታውነትን ሰብኣውነትን ንክጠናኸር ዓብይ ምዕራፍ ከፊቶም እዮም።
ልገሳ ደምን ብሌን ዓይንን ሂወት ዘድሕንን ብርሃን ንሰባት ዝወሃበሉን ዓብይ ውህብቶ እዩ ኢሎም።
ደም ብምልጋስ ሂወት ነቐፅል፣ ድሕሪ ሕልፈት ብሌን ዓይኒ ብምልጋስ ንዜጋታት ብርሃን ንሃብ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ፤ ነዚ ድማ ምስ ኣገልግሎት ባንኪ ደምን ሕብረ ሕዋስን ኢትዮጵያ ብምትሕብባር እዚ ስራሕ ንምስፋሕ እናተሰርሐ ከም ዝርከብ ኣፍሊጦም።
እቲ ሚኒስቴር ቀረብ ደም ንትካላት ጥዕና ብዘላቕነት ተበፃሒ ንምግባር ምስቲ ኣገልግሎት ብምዃን ልዕሊ 60 ባንኪ ደም ንክጣየሽ ከም ዝገበረ እውን ኣረዲኦም።
ልገሳ ደም ባህሊ ንምግባርን ቀፅሪ ለገስቲ ብሌን ዓይኒ ንምዕባይን ዝግበር ፃዕሪ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ብምግላፅ፤ እቲ ሕብረተሰብ እውን ኣብዚ ሰናይ ተግባር ብንቕሓት ንክሳተፍ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ባንኪ ደምን ሕብረ ሕዋስን ኢትዮጵያ ዶክተር ኣሸናፊ ታዘበው ብግደኦም፤ ሓንቲ ከረጢት ደም ሂወት ሰብ ከም ተድሕንን ብሌን ዓይኒ እውን ብርሃን ከም ትህብን ሓቢሮም።
ኣብ 11 ኣዋርሕ እዚ በጀት ዓመት ልዕሊ 400 ሽሕ ከረጢት ደም ከም ዝተኣከበን እዚ ድማ ባህሊ ልገሳ ደም እናተመሓየሸ ከም ዝኾነን ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም