ነበር ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ መፈንቅለ መንግስቲ ብምግባር ብዘይ ጎንፂ ክነብር ከም ዘይኽእል ብተግባር ኣርእዩ እዩ-ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረህይወት - ኢዜአ ትግርኛ
ነበር ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ መፈንቅለ መንግስቲ ብምግባር ብዘይ ጎንፂ ክነብር ከም ዘይኽእል ብተግባር ኣርእዩ እዩ-ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረህይወት
ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 7/2018 (ኢዜኣ) ነበር ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ መፈንቅለ መንግስቲ ብምግባር ብዘይ ጎንፂ ክነብር ከም ዘይኽእል ብተግባር ዘርኣየ ከም ዝኾነ ሓላፊ ሴክሬታሪያት ካቢኔ ፈላማይ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝነበሩ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረህይወት ገሊፆም።
መንግስትታት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ዞባዊ፣ ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ትካላትን መሓዙት ልምዓትን ኣብ ልዕሊ ከይዲ ሰላም ክልል ትግራይ ዘተዓናቕፍ ዘሎ ፅንፈኛ ጉጅለ ህወሓት ግልፅን ጠንካራን ቅዋም ንክወስዱ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረህይወት፤ መንግሥቲ ፌዴራል ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ንምፅናዕ ዘርኣዮ ልዑል ትዕግስቲ ዝነኣድ እዩ ኢሎም።
እቲ ፅንፈኛ ጉጅለ መንግስቲ ፌዴራል ብዳግማይ ህንፀትን ምምሕዳር ፖለቲካን እቲ ስምምዕ ሰላም ንምኽባር ንዝገበሮ ተደጋጋሚ ፃዕሪ እናተዓናቐፈ ከም ዝፀንሐ ሓቢሮም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን እውን ህዝቢ ክልል ትግራይ ዳግማይ ኲናት ኣጥቢቑ እናተቓወመ ከም ዝርከብ ብምሕባር፤ እቲ ፅንፈኛ ጉጅለ ግን ነቲ ክልል ናብ ዳግማይ ኲናት ንምእታው እናተንቀሳቐሰ እዩ ዝርከብ ኢሎም።
እዚ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል መፈንቅለ መንግስቲ ብምፍፃም ብዘይ ጎንፂ ክነብር ከም ዘይኽእልን ዘይሕጋውነቱን ብተግባር ከም ዘርኣየ እውን ተዛሪቦም።
እቲ ዘይሕጋውን ፅንፈኛን ጉጅለ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እቲ ክልል ንወታደራዊ ዕላማ መናእሰይ እናገፈፈ ከም ዝርከብ ኣብራህሪሆም።
ዘይተፈትሑ ፖለቲካውን ምምሕዳራውን ፀገማት ብዘተ፣ ሕገ መንግስታውን ዲሞክራሲያውን መንገዲ እምበር ብወታደራዊ ከይዲ ከም ዘይፍትሑ ኣገንዚቦም።
ግዳማዊ ሓይልታት ፀረ ሰላምን ባንዳታት ውሽጢ ሃገርን ተዋዲዶም ሰላም ኢትዮጵያ ንምህዋኽ “ፅምዶ” ብዝብል ጥምረት ምንቅስቓስ ክሕደት እናገበሩ ከም ዝርከቡ እውን ኣረዲኦም።
እዚ ምንቅስቓስ ጥፍኣት ድማ ዞባዊ ህውከት ሰላም ስለዘስዕብ ብዓለም ለኸ ማሕበረሰብ እውን ክኹነን ኣለዎ ኢሎም።
ስለ ዝኾነ ድማ መንግስትታት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ዞባዊ፣ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ትካላትን ዓለም ለኸ ማሕበረሰብን ከይዲ ሰላም ንምትዕንቓፍ ዝግበሩ ምንቅስቓሳት ክኹንንዎምን ጠንካራ ቅዋም ክውስዱሎምን ከም ዝግባእ ገሊፆም።
ቀፃሊ ዕድል ኢትዮጵያ ኣብ ሰላም ዝተመስረተ እዩ ዝበሉ ፕሮፌሰር ክንደያ፤ ኣብ ዝሓለፈ ጎንፂ ዝተፈጠረ ጉድኣት እውን ብዳግማይ ህንፀት፣ ልምዓትን ብሄራዊ ዕርቅን ምፍታሕ ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።