ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሕቡራት ዓረብ ኢምሬትን ናብ ወለዶ ዝሳጋገር ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ዲፕሎማሲ እናተጠናኸረ እዩ-ኣምባሳደር ጀማል በከር - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሕቡራት ዓረብ ኢምሬትን ናብ ወለዶ ዝሳጋገር ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ዲፕሎማሲ እናተጠናኸረ እዩ-ኣምባሳደር ጀማል በከር
ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 7 /2018 (ኢዜኣ)፦ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሕቡራት ዓረብ ኢምሬትን ናብ ወለዶ ዝሳጋገር ኣብነታዊ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ዲፕሎማሲ እናተጠናኸረ ከም ዝኾነ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሕቡራት ዓረብ ኢምሬቲስ ጀማል በከር ገሊፆም።
ኣምባሳደር ጀማል በከር (ዶ/ር) ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት፤ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ሰፊሕን ዕሙቕን ሪፎርም ኢኮኖሚ እናሳለጠት እያ ትርከብ ኢሎም።
ብፍላይ ድማ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምፅኦም፤ ኢትዮጵያ ምስ ሕቡራት ዓረብ ኢሚሬትስ መርኣያ ዝኾነ ጠንካራ ዲፕሎማሲያዊ ምትእስሳር ንክትፈጥር ምችው ኩነታት ከም ዝፈጠረ ኣረዲኦም።
ኢትዮጵያ ተሳልጦ ዘላ ኩለ መዳያዊ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ንሕቡራት ዓረብ ኢሚሬትስ ጥራሕ ዘይኮነስ ሓደሽቲ ዕድላት ንዝደልዩ ካልኦት ዓለም ለኸ ትካላት እውን ምችው ኩነታት ዝፈጠረ ከም ዝኾነ ተዛሪቦም።
ስለ ዝኾነ ድማ ሰብ ሃፍቲ ሕቡራት ዓረብ ኢሚሬትስን ካልኦት ሃገራትን ኣብ ኢትዮጵያ ቀዳምነት ኣብ ዝወሃቦም ዓውድታት ማለት እውን ኣብ ዓውድታት ግብርናን መቀነባበሪ ግብርናን፣ ማኑፋክቹሪንግ፣ መዓድንን ቴክኖሎጂን ኢንቨስት ንክገብሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም።