ዓወት መሰረተ ልምዓት ስፍራታት ስፖርት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሰገናት ስፖርታዊ ክእለቶም ዘዕብይሉ መሰረት ኣንቢሩ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ዓወት መሰረተ ልምዓት ስፍራታት ስፖርት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሰገናት ስፖርታዊ ክእለቶም ዘዕብይሉ መሰረት ኣንቢሩ እዩ
ኣዲስ ኣበባ፤ሰነ 7/2018 (ኢዜኣ)፦ዓወት መሰረተ ልምዓት ስፍራታት ስፖርት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሰገናት ስፖርታዊ ክእለቶም ዘዕብይሉ መሰረት ከም ዘንበረ ቢሮ መናእሰይን ስፖርትን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ።
ኣብታ ከተማ ዝተሃነፁ ሰሓብቲ ፕሮጀክትታት ኮሪደርን ወሰና ወሰና ሩባን ብርክት ዝበሉ መሰረተ ልምዓታት ስፍራታት ስፖርት ንክህነፁ ኣኽኢሉ እዩ።
ሓላፊ ቢሮ መናእሰይን ስፖርትን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣሰግደው ሃይለጊዮርጊስ ንኢዜኣ ከም ዝበልዎ፤ ዓወት መሰረተ ልምዓት እታ ከተማ ንህንፀት መሰረተ ልምዓት ስፖርት ምችው ምህዳር ፈጢሩ እዩ።
ኣብ ፅባሕ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ብቕዓትን ፅሬትን ዘለዎም ሰገናት ስፖርተኛታት ምፍራይ ዘኽእሉ 2 ሽሕን 581 ማእኸልን መሰልጠንን ስፖርት ከም ዝተሃነፁ እውን ኣረዲኦም።
እዞም ዘበናውን ደረጅኦም ዝሓለዉን ማእኸላት ስፖርት ድማ ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ውድድራት እተተኣናግደሉ ዓቕሚ ከም ዝፈጠሩ ተዛሪቦም።
እዚ ድማ ኣብ ልምዓት ስፖርት ኢትዮጵያ ልዑል ረብሓ ብምብርካት ሰገናት ስፖርታዊ ክእለቶም ዘዕብይሉ መሰረት ከም ዘንበረ ዘርኢ እዩ ኢሎም።
ኣብ ቀፃሊ እውን ህንፀት መሰረተ ልምዓት ስፍራታት ስፖርትን ማእኸላት ስልጠናን ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል ኣረጋጊፆም።