7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ኢትዮጵያ ዜጋታት ንህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ዘለዎም ቆራፅነት ዘረጋገፅሉ እዩ-ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፤ሰነ 6 /2018 (ኢዜኣ) 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ኢትዮጵያ ዜጋታት ንህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ዘለዎም ቆራፅነት ብተግባር ዘረጋገፅሉ ከም ዝኾነ ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።
ቤት ምኽሪ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ንዝተሳተፉን ኣወንታዊ ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱን ሲቪል ማሕበራት፣ ውድባት ፖለቲካን ካልኦት ተዋሳእቲ እቲ ዓውድን ሃገር ለኸ መርሃ ግብሪ ኣፍልጦን ሽልማትን ኣካይዱ።
ኣብዚ “ሲቪል ማሕበራት ኢትዮጵያ የመስግኑ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተዳለወ መርሃ ግብሪ፤ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ፣ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ፣ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር፣ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፣ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ፣ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ፌዴሪኢ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፣ ኮሚሽነር ጀነራል ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ደመላሽ ገብረሚካኤል፣ኣካቢት ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ሜላትወርቅ ሃይሉ፣ሚኒስትራት፣ሓለፍቲ ትካላት ሲቪል ማሕበራትን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።



ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ እቲ ቤት ምኽሪ እቲ መረፃ ብዓወት ምዝዛሙ ብዝምልከት ንዘዳልዎ መርሃ ግብሪ ኣፍልጦ ኣመስጊኖም።
ህንፀት ትካል መግለፂ ስልጣነ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ዲሞክራሲ ንኢትዮጵያ ኣማራፂ ዘይብሉ መሰረት ህልዉናን ብልፅግናን እዩ ኢሎም።
ዴሞክራሲ ጠንካራ ሃገረ መንግሥቲ እንሃነፀሉ ዓምዲ ስለዝኾነ ኣብዚ ሕዚ እዋን ንህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ምችው ኩነታት ተፈጢሩ እዩ ዝበሉ ኣይተ ኣደም፤ ሃገራዊ ትካላት ብሓባራዊ ፃዕርን መስዋእትን ምህናፅ ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።
ኣብ እዋን እቲ መረፃ ዝተርኣየ ንቑሕ ተሳትፎ ህዝቢ እውን ዜጋታት ንህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ዘለዎም ቆራፅነት ብግልፂ ዘርኣይሉ ከም ዝኾነ ተዛሪቦም።
ቤት ምኽሪ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ኣብ እዋን መረፃ ንዝነበሮ ንቑሕ ተሳትፎ ብምንኣድ፤ ብፍላይ ድማ ዜጋታት ሕገ መንግስታቂ መሰሎም ብኣግባቡ ንክጥቀሙ ኣብ ምምሃርን ግንዛበ ኣብ ምፍጣርን እቶም ትካላት ሃናፂ ኣስተዋፅኦ ከም ዘበርከቱ ኣረዲኦም።
ትካላት ሲቪል ማሕበራት ንህንፀት ሃገረ መንግሥቲ ዘለዎም እጃም ንከዕብዩ ሰፊሕ ስራሕ ከም ዝተሰርሐ ብምሕባር፤ ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ዝተርኣየ ተሳትፎ ውፅኢት ዝሓለፈ ፃዕርና እዩ ኢሎም። 
ኣብ ቀፃሊ እውን ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ብዝበለፀ ንምጥንኻር መንግሥቲ ቆራፅን ድሉውን ከም ዝኾነ ኣረጋጊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም