ኢትዮጵያ ዓለምለኻዊ ጉባኤ ትምህርቲ ፀረ-ዶፒንግ ንምድላው ተመሪፃ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ዓለምለኻዊ ጉባኤ ትምህርቲ ፀረ-ዶፒንግ ንምድላው ተመሪፃ
ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 6/2018 (ኢዜአ)፦ ኢትዮጵያ እ.ኤ.አ በ2027 ዝካየድ ዓለምለኻዊ ጉባኤ ትምህርትን ስልጠናን ፀረ-ዶፒንግ ክተዳሉ ከም ዝተመርፀት ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን ኣፍሊጡ።
ኢትዮጵያ ንልምዓት ስፖርት ብዝሃበቶ ቆላሕታ ልዑል ፋይዳ ዘለዎም ዓለምለኻዊ ፍፃመታት ስፖርት ንምድላው ፃዕሪ እናገበረት ትርከብ።
እ.ኤ.አ በ2027 ዝካየድ ዓለምለኻዊ ጉባኤ ትምህርትን ስልጠናን ፀረ-ዶፒንግ (Global Education Conference) ክተዳሉ ከም ዝተመርፀት እቲ ሚኒስቴር ኣመላኺቱ፡፡
ብዓለምለኻዊ ኤጀንሲ ፀረ-ዶፒንግ (WADA) ኣሰናዳእነት በብእዋኑ ዝካየድ ዘሎ እቲ ዓለምለኻዊ ጉባኤ ኣብ ምንቅስቃስ ፀረ-ኣበራታዕቲ ቐመማት (ዶፒንግ) ልዑል ትርጉም ዘለዎ ምንቅስቓስ ምዃኑ እውን ተገሊፁ።
ቅድም ኢሉ እ.ኤ.አ በ2018 ኣብ ቻይና ቤጂንግ፣ በ2022 ኣብ ኣውስትራሊያ ሲድኒ ከምኡ እውን በ2024 ኣብ ሃገረ ፈረንሳይ ከም ዝተኻየደ ዝዝከር እዩ።
እቲ ጉባኤ ብደረጃ ኣፍሪካ ክካየድ ንመጀመሪያ ግዜ ብምዃኑ ንህንፀት ምስሊ ኢትዮጵያን ንዕብየት ቱሪዝም ስፖርትን ካብ ዘበርክቶ ኣስተዋፅኦ ብተወሳኺ፣ ብኣህጉር ደረጃ ፀረ-ኣበራታዕቲ ቐመማት ብዝበለፀ ንምጉልባትን ንፁህ ስፖርት ንምስፍሕፋሕን ልዑል ግደ ከም ዝፃወት ተመለኺቱ።
እቲ ጉባኤ ኢትዮጵያ ምስ ኣበራታዕቲ ቐመማት ወይ ዶፒንግ ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ኣብ ስሩዕ ስርዓተ-ትምህርቲ ኣእቲኻ ምትግባር፣ እኹል ሕጋዊ ማዕቐፋት ብምውፃእ ተግባራዊ ምግባር፣ ከምኡ እውን ሓያል ናይ ምርመራን ቁፅፅርን ስርዓት ምዝርጋሕን ምትግባርን ሓዊሱ ዘመዝገበቶም ብዙሓት ውፅኢታት ንዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ብግቡእ ንምፍላጥ ተወሳኺ ዕድል ከም ዝፈጥር ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት።