ኢትዮጵያ ወናኒት ኣስደናቒ ባህሊ፣ ታሪኽን ሓድግን ሃገር ምዃና ኣብ ዑደትና ኣረጋጊፅና ኣለና - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ወናኒት ኣስደናቒ ባህሊ፣ ታሪኽን ሓድግን ሃገር ምዃና ኣብ ዑደትና ኣረጋጊፅና ኣለና
ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 6/2018 (ኢዜአ)፦ ኢትዮጵያ ወናኒት ኣስደናቒ ባህሊ፣ ታሪኽን ሓድግን ሃገር ምዃና ኣብ ዘካየድዎ ዑደት ከም ዘረጋገፁ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኣባላት ዲፕሎማቲክ ጋንታ ኵዕሶ እግሪ ገሊፆም።
ምስሊ እታ ርእሰ ከተማን መባፅሒ ቱሪዝማን ንዓለም ኣብ ምፍላጥ ስፖርት ዘለዎ ግደ ዝለዓለ ከም ዝኾነ ኮሚሽን ቱሪዝም ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።
ምጅማር ዋንጫ ዓለም 2026 ምኽንያት ብምግባር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኤምባሲታትን ዓለምለኻዊ ትካላትን ዝተሳተፉሉ ውድድር ኵዕሶ እግሪ ዲፕሎማቲክ ተዳልዩ እዩ።
ኣብቲ ውድድር ዝሳተፉ ኣባላት ዲፕሎማቲክ ጋንታ ኵዕሶ እግርን ከምኡ እውን ኣጋይሽ ዋንጫ እቲ ውድድር ኣዳልዮም ዘምፅኡ ሃገራትን ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከቡ ዋና ዋና መስሕብ ቱረዝም ዑደት ገይሮም።
እቶም ኣጋይሽ ኣብ ብሄራዊ ሙዚየም ኢትዮጵያ፣ ኣብ መዘከርታ ዓወት ዓድዋን ኣብ ስፖርት ፓርክ ኣዲስን ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት፤ ዕቑር ባህሊ፣ ታሪኽን ሓድግን ኢትዮጵያ ከም ዝተዓዘቡ ገሊፆም።
ኣብ እዋን እቲ ዑደት ርእይቶኦም ዝሃቡና ካብ ሃገረ እንግሊዝ ዝመፁ ማርክ ሃዬስ፤ እቲ ዑደት ብዛዕባ ኢትዮጵያ ብዙሕ ሓደሽቲ ነገራት ንክፈልጡ ከም ዝሓገዞም ተዛሪቦም።
ካብ ማሕበር ኵዕሶ እግሪ ዓዲ እንግሊዝ ንመጀመሪያ ግዜ ናብ ኢትዮጵያ ዝመፁ ጎርዶን ጆንሶን ብወገኖም፤ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተዓዘብዎ ምትእስሳር ህዝቢ ንህዝቢ፣ ምክብባርን ባህሊ ኣቀባብላ ኣጋይሽን ከም ዝተደነቑ ገሊፆም።
ኣብ ብሄራዊ ሙዚየም ዝተዓዘብዎ ሓድጊ ኢትዮጵያ ጥንታዊት ሃገር ጥራይ ዘይኮነትስ መበቆል ዘርኢ ወዲ ሰብ ምዃና ዘረጋገፅሉ ምዃኑ እውን ኣመላኺቶም።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ትካል ምግብን ሕርሻን ሕቡራት መንግስታት (FAO) ሰራሕተኛ ዝኾኑ ኡጋንዳዊ ጆሴፍ ኪሩሌ፤ ካብቲ ዑደት ታሪኽ ኢትዮጵያ፣ መበቆል ዘርኢ ወዲ ሰብ ምዃና፣ ብዛዕባ ወራሪ ሓይሊ ዝሰዓረትሉ ታሪኽ ዓወትን ጠቃሚ ፍልጠት ከም ዝረኸብሉ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ትምኒት ባዕዳውያን ገዛእቲ ዘምከነት ኩሩዕ ታሪኽ ዘለዋን ኣብዚ እዋን ድማ ኣብ ዝለዓለ ጎደና ዕብየት ትርከብ ሃገር ምዃና ከም ዝተዓዘበ ዝገለፀ ድማ ካብ ካሜሩን ዝመፀ ሎይስ ኮቫሞ እዩ።
ዳይሬክተር ዲጂታል ማርኬቲንግን ፕሮሞሽንን ኮሚሽን ቱሪዝም ከተማ ኣዲስ ኣበባ ፍረሂወት ገብረመድህን ኣብዚ እዋን ከም ዝገለፃኦ፤ ኣዲስ ኣበባ ዓለምለኻዊን ኣህጉራዊን ፍፃመታት ብድምቀት ተተኣናግድ ኣላ ኢለን።
በዚ ድማ ንዝተፈላለዩ ኣኼባታትን ኮንፈረንሳትን ናብታ መዲና ንዝመጹ ኣጋይሽ ምስሊ እታ ከተማን ሰብ ስራሕን ከምኡ እውን ታሪኻዊን መስሕባት ምፍላጥ ንኹለመዳያዊ ዕብየት እታ ሃገር ወሳኒ ምዃኑ ኣገንዚበን።
ቱሪዝም ስፖርት ንቑሕን ጠንካራን ዜጋ ካብ ምፍጣር ሓሊፉ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ሕብረተሰብ ብምርኻብ ናይ ምትእስሳር ህዝቢ ንህዝቢ ከም ዘጠናኽርን ምስሊ እታ መዲና ንዓለም ኣብ ምፍላጥ ዝለዓለ ግደ ከም ዘለዎን ገሊፀን።