ናፃ ዕድል ትምህርቲ ህክምና ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ዲፕሎማሲ ሕክምና እጃማ ክትዋፃእ እናኽኣላ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 6/2018(ኢዜኣ)፦ኢትዮጵያ ንተምሃሮ ሃገራት ኣፍሪካ ትህቦ ናፃ ዕድል ትምህርቲ ሕክምና፣ እታ ዶብ ኣልቦ ዲፕሎማሲ ሕከምና እጃማ ብብቕዓት ክትዋፃእ እናገበራ ከም ዝኾነ ሚኒስትር ድኤታ ሳህረላ ኣብዱላሂ ገሊፀን።
ብሚኒስቴር ጥዕና ዕድል ትምህርቲ ተዋሂብዎም ስልጠናኦም እናተኸታተሉ ዝርከቡ ተምሃሮ ጎረባብቲ ሃገራት ደቡብ ሱዳን፣ ሶማሊያን ካልኦት ሃገራትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ኣገልግልታት ዓውዲ ጥዕና፣ ትካላት ጥዕናን ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ዑደት እናገሩ እዮም።
እቶም ሰብ ሞያ ጥዕና ኣብ ኢትዮጵያ ትምህርቲ ጥዕና ኣብ ዝህቡ ዩኒቨርሲቲታት ትምህርቶም እናተኸታተሉ ኮይኖም፤ ዑደት ካብ ዝገበርሎም ትካላት ኢንስቲትዩት ምርምር ኣርማውር ሃንሰን ሓደ እዩ።
ናይቲ ዑደት ቀንዲ ዕላማ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ጥዕና እናሳለጠቶ ዘሎ ጭቡጥ ስራሕን ዘለዋ ዓቕምን ነቶም ሰልጠንቲ ምርኣይ ከም ዝኾነ ተመላኺቱ።
ሚኒስትር ድኤታ ጥዕና ሳህረላ አብዱላሂ ከም ዝገለፃኦ፤ ኢትዮጵያ ልዕሊ 400 ንዝኾኑ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ናፃ ዕድል ትምህርቲ ብምሃብ እናምሃረት ትርከብ።
ጥዕና ዶብ የብሉን ዝበላ እተን ሚኒስትር ድኤታ፤ ዑደት እቶም ሰብ ምያ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ብሓባር ንምስራሕ ዓቕሚ ዝፈጥር ከም ዝኾነ ሓቢረን።
ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ንሃገራት ኣፍሪካ ትህቦ ናፃ ዕድል ትምህርቲ ምሰተን ሃገራት ዘለዋ ርክብ እናጠናኸረ ከም ዝርከብ ብምግላፅ፤ ከም ሃገር እውን ዓብዪ ረብሓ ከም ዘለዎ ኣብሪሀን።
እቲ ናፃ ዕድል ትምህርቲ ዶብ ኣልቦ ዲፕሎማሲ ሕክምና እጃማ ክትዋፃእ እናኽኣላ ከም ዝኾነ ገሊፀን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም