ሓበሬታ ነበርቲ ብዘመናዊ መንገዲ ምውዳብ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ኣብ ምቅልጣፍን ዲጂታላዊ ኢኮኖሚ ኣብ ምህናፅን ወሳኒ ተራ ኣለዎ

ኣዲስ ኣበባ፤ሰነ 4/2018 (ኢዜኣ)፦ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምዝገባ ሲቪላትን ሓበሬታት ነበርትን ብዘመናዊ መገዲ ንምውዳብ እናተሳለጠ ዘሎ ስራሕ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ኣብ ምቅልጣፍን ዲጂታላዊ ኢኮኖሚ ኣብ ምህናፅን ወሳኒ ተራ ከም ዝህልዎ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡
ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ኣብ ኤጄንሲ ኣገልግሎት ምዝገባ ሲቪላትን ነበርትን ኣዲስ ኣበባ ሓበሬታ ነበርቲ ብዘመናዊ መገዲ ንምውዳብ ዝሳለጡ ዘለዉ ተግባራት ተዘዋዊሮም ተዓዚቦም፡፡
ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ከም ሃገር ስራሕ ዲጂታላይዜሽን ብተግባር ኣብ ዝርኣየሉ ብርኪ በፂሑ እዩ፡፡
ብፍላይ ብስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ዝተሰርሑ ዕዉታት ስራሕቲ ዘይትካእ ግደ ከም ዝተፃወቱ ተዛሪቦም፡፡
ስለዝኾነ እቶም ውፅኢታዊ ስራሕቲ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ሓበሬታ ዝእክቡ ኩሎም ኣገልግሎት ውሃብቲ ትካላት ኣሰራርሓኦም ሙሉእ ንሙሉእ ናብ ዲጂታል ከሰጋግሩ ኣለዎም ኢሎም፡፡



ብፍላይ ብመዳይ ሲቪል ምዝገባ ካብ ውልደት ክሳብ ሞት ዘለዉ ኩሎም ዓይነታት ሓበሬታት ነበርቲን ሰነዳትን ካብ ባህላዊ ኣተሓሕዛ ወረቀት ወፅዮም ብዲጂታል መልክዕ ክትሓዙ ከም ዝግባእ ተዛሪቦም፡፡
ነዚ ድማ ትካላዊ ኣሰራርሓ ምዝማን ወሳኒ ከም ዝኾነ ብምሕባር፤ ናይ ሓበሬታት ዲጂታል ሙዃን ቢሮክራሲ ብምትራፍ ፍፁም ግልፅነት ዘረጋገፀ ኣሰራርሓ ንምዝርጋሕ ከም ዘኽእል ተዛሪቦም፡፡
ንዕውትነት ኢትዮጵያ ዝሓዘቶ ራእይ ዲጂታል 2030 እጃሙ ከም ዝዋፃእ ኣመላኺቶም፡፡
በዚ መዳይ ኤጄንሲ ኣገልግሎት ምዝገባ ሲቪላትን ነበርትን ኣዲስ ኣበባ ዝጀመሮ ስርዓት ምምሕዳር ሰነዳት ተሞክሮኡ ናብ ኩሎም ትካላት መንግስቲ ክሰፍሕ ይግባእ ኢሎም፡፡
እዙይ ድማ ዜጋታት ብቐሊሉ ሓበሬታት ምርካብ ዝኽእልሉ ስርዓት ኣገልግሎት ኦንላይን ንምዝርጋሕ ከም መርኣያ ዝውሰድ ተግባር ከም ዝኾነ ኣረዲኦም፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም