ስርዓተ ትምህርቲ ምስ ድሌታት ዕዳጋ ምጥዕዓም ዘላቒ ዕድላት ስራሕ ንምፍጣር ወሳኒ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፤ሰነ 4/2018 (ኢዜኣ)፦ስርዓተ ትምህርቲ ምስ ድሌታት ዕዳጋ ምትእስሳር ዘላቒ ዕድላት ስራሕ ንምፍጣር ወሳኒ ከም ዝኾነ ምክትል ዋና ፀሓፊ ትካል ሕቡራት መንግስታት  ኣሚና መሓመድ ገሊፀን።
ኣብ ፈጠራ ስራሕ ትኹረት ዝገበረ ፎረም ዴቨሎፕመንት ኢምፓክት ኣፍሪካ 2026 ኣብ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ሕቡራት መንግስታት  (ECA) ምክያድ ጀሚሩ።
ምክትል ዋና ፀሓፊ ትካል ሕቡራት መንግስታት  ኣሚና መሓመድ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልኦ፤ ኣፍሪካ  ዓበይቲ ማሕለኻታትን ሰናይ ኣጋጣሚታትን ኣብ ዘለዉሉ ወሳኒ መስቀለኛ መገዲ ትርከብ።



ኣብዚ እዋን ፅርየትን ዘላቕነትን ዘለዎም ዕድላት ስራሕ ንምፍጣር ዘመናዊ ስርዓት ትምህርትታት ምስ ትኽክለኛ ድሌታት ዕዳጋ ምጥዕዓም ከም ዝግባእ ኣገንዚበን።
ብፍላይ ብቕልጡፍ እናዓበየ ዘሎ ቁፅሪ መናእሰይ ኣፍሪካ ኣብ ግምት ብምእታው ብሚሊዮና ዝቑፀሩ ፅሬት ዘለዎም ዕድላት ስራሕ ምፍጣር ብህፁፅ ቀዳምነት ዝውሃቦ ዛዕባ ክኸውን ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲበን።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ካብ ምስፍሕፋሕ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ክሳብ ልምዓት ክእለትን ፈጠራ ዕድል ስራሕን መናእሰይ ዝበሉ ግዘ ዘይህቡ ማሕለኻታት ኣፍሪካ ንምፍታሕ ምስ መንግስታት፣ ዞባዊ ትካላትን ዓውድታት ውልቀን ብሓባር እናተሰርሐ ከም ዝፀንሐ ኣዘኻኺን።
ካብቲ ሓባራዊ ስራሕ ዓብዪ ትምህርቲ ከም ዝተረኸበ ብምግላፅ፤ ምርምር፣ ሓበሬታን መርትዖን በይኖም ለውጢ ኣየምፅኡን፤ ካብ ዘረባን ፀብፃብን ብዝሓለፈ ናብ ተግባራዊ ስጉምቲ ምእታው መማረፂ ዘይብሉ ጉዳይ እዩ ኢለን።
ዕድል ሰራሕ ምፍጣር ብመንግስትታት ጥራሕ ክዕወት ከም ዘይኽእል ብምሕባር፤ እዙይ ድማ ፖሊሲ መውፃእቲ፣ ተመራመርቲ፣ መሻርኽቲ ልምዓትን ዓውዲ ውልቀን ኣብ ሓደ ዘራኽብ ንቑሕ ስነ ምህዳር ከም ዝሓትት ኣገንዚበን።
ናይዚ ዓመት ፎረም እውን መፍቲሒታት ንምፍላይ፣ ጠንካራ ሽርክነት ንምህናፅን ተግባራዊ መባፀሒ መገዲታት ንምሕንፃፅን ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ሓደ ዘራኸብ ከም ዝኾነ ዝገለፃ እተን ምክትል ዋና ፀሓፊ፤ ካብ ዘተ ብዝሓለፈ ኣብ መላእ ኣፍሪካ ዘለዉ መናእሰይ ናብ ጭቡጥ ውፅኢት ዝቕይሩ ትርጉም ዘለውም ተግባራት ትፅቢት ከም ዝግበረሉ ኣመላኺተን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም