ኣብ ዲጂታል ዓለም ዝጀመርናዮ ታሪኻዊ ምዕራፍ ናይ መወዳእታ ጉዕዞና ዘይኮነስ ብሄራዊ ራእይና ብዝበለፀ ነቀላጥፈሉ መበገሲ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ዲጂታል ዓለም ዝጀመርናዮ ታሪኻዊ ምዕራፍ ናይ መወዳእታ ጉዕዞና ዘይኮነስ ብሄራዊ ራእይና ብዝበለፀ ነቀላጥፈሉ መበገሲ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ 4/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ዲጂታል ዓለም ዝጀመርናዮ ታሪኻዊ ምዕራፍ ናይ መወዳእታ ጉዕዞና ዘይኮነስ ብሄራዊ ራእይና ብዝበለፀ ነቀላጥፈሉ መበገሲ እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ዓወት ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት “ኮደርስ 5 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን” ብዝምልከት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ዝተኸበርኩም ኢትዮጵያውያን ንዕውት ምዕራፍ 5 ሚሊዮን ኮደራት እንኳዕ ደስ በለኩም ኢሎም።
ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ንምዕዋት ዝተተለመ ሽቶ ካብ ክልተ ዓመት ኣብ ዝንኣሰ ግዘ ውሽጢ ምዕዋት ተኻኢሉ እዩ ክብሉ እውን ሓቢሮም።
"ኮደራት 5 ሚሊዮን ኢትዮጵያውያን"ካብ ዝጀመረሉ እዋን 16 ሓምለ 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ብመሰረታዊ ትምህርትታት ኮምፒውተር ፕሮግራሚንግ፣ትንታነ ሓበሬታ፣ ልምዓት ሶፍትዌር ኣንድሮይድን ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስን 5,005,146 ሰልጠንቲ ከም ዝተመዝገቡ ብምግላፅ፤ እቶም ልዕሊ 3 ሚሊዮን ዝኾኑ ስልጠና ከም ዝዛዘሙ ኣረዲኦም።
እዚ ዓወት መረጋገፂ ቆራፅነትን ደረት ዘይብሉ ዓቕምን ህዝብና እዩ ኢሎም።
ኣብ ዲጂታል ዓለም ብልክዑ ንምድላው ዝጀመርናዮ ታሪኻዊ ምዕራፍ ናይ መወዳእታ ጉዕዞና ዘይኮነስ ብሄራዊ ራእይና ብዝበለፀ ነቀላጥፈሉ መበገሲ እዩ ክብሉ ገሊፆም።
ክሳብ ነሓሰ 2018 ዓ.ም ቁፅሪ ሰልጠንቲ 7 ሚሊዮን ንምብፃሕ ዝተትሓዘ ሽቶ ንምዕዋት ሕድሕድ ኢትዮጵያዊ ኣካል እዚ ብሄራዊ ተልእኾ ንክኸውን እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ንመናእሰይ ተምሃሮና፤ መፃኢ እዋን ክረምቲ ዓብዩ ዕድልኩም እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ግዜኹም ብዘይኣግባብ ብዋዛ ካብ ምሕላፍ ተቖጢብኩም ብምምዝጋብን ብምምሃርን ናብ ቤት ትምህርትኹም እንትትምለሱ ተምሃሮ ጥራሕ ዘይኮንኩምስ ብዓለም ለኸ ብርኪ ኣፍልጦ ዘለኩም ዲጂታል መራሕቲ ክትኮኑ የተሓሳስብ ኢሎም ኣብ መልእኽቶም።
እቶም ስልጠናታት ሙሉእ ንሙሉእ ብናፃ ዝውሃቡ ከምዝኾኑ ብምሕባር፤ እቲ ምስክር ወረቐት እውን ብዓለም ለኸ ብርኪ ኣፍልጦ ዘለዎ እዩ ኢሎም።
ትሃንፅዎ ፅባሕ ሎሚ እዩ ዝጅምር!
ንምምዝጋብ ኣብዚ ይፅቀጡ:
ethiocoders.et/