ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ እዋን ስርሖም ዝዛዘሙ ክልተ ኣምባሳደራት ኣሰናቢቶም - ኢዜአ ትግርኛ
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ እዋን ስርሖም ዝዛዘሙ ክልተ ኣምባሳደራት ኣሰናቢቶም
ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 3/2018 (ኢዜኣ)፡- ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ እዋን ስርሖም ዝዛዘሙ ኣምባሳደር ሉክሰምበርግ ኣብ ኢትዮጵያ ዣን ክራውዘርን ኣምባሳደር ሕቡራት ዓረብ ኢምሬታት ኣብ ኢትዮጵያ መሐመድ ሳሌም ኣልራሺዲንን ኣሰናቢቶም፡፡
ኣብ ሞንጎ እተን ሃገራት ዘሎ ውጽኢታዊ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ተጠናኺሩ ከም ዝቐፀለ እውን ተገሊጹ፡፡
ርእይቶአን ንኢዜኣ ዝሃባ ተሰናባቲት ኣምባሳደር ሉክሰምበርግ ኣብ ኢትዮጵያ ዣን ክራውዘር፤ ኣብ ፃንሒቶም ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ዘጠናኽሩ ስራሕቲ ከም ዘሳለጡ ተዛሪበን፡
ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር ኢትዮጵያን ሉክሰምበርግንን ናብ ዝልዓለ ብርኪ ንምስግጋር ዝተሳለጡ ተግባራት ውጽኢታዊ ከም ዝኾኑ እውን ሓቢረን፡፡
በዙይ ድማ ዓቕሚ ፋይናንስ ኢኮኖሚ ሰብ ሞያ ዘዕቢ መርሃ ግብሪ ስልጠና ብምቕራፅ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ውጽኢታዊ ልውውጥ ተሞኩሮ ከም ዝተገበረ ኣረዲአን፡፡
ጠንካራ ምሕዝነት ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ ዓውድታት ሓምለዋይ ኢኮኖሚን ልምዓት ፋይናንስን ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል እምነተን ገሊፀን፡፡
ምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ቀልቢ ኩባንያታት ሉክሰምበርግ ኣብ ምስሓብ ዓብዪ ተስፋ ዝህብ ከም ዝኾነ ተዛሪበን፡፡
ኩባንያታት ሉክሰምበርግ ከይዲ ለውጢ መማረፅታት ዕዳጋ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ብምምልካት ተስፋኦም ከዕብዩ መልእኽተን ኣመሓላሊፈን፡፡