ዲፕሎማሲ ስፖርት ንምልላይ ዝዓለመ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ዲፕሎማት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ሰኔ 3/2018 (ኢዜኣ) ዲፕሎማሲ ስፖርት ንምልላይ ዝዓለመ መበል 4ይ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ዲፕሎማት 6 ሰነ 2018 ዓ/ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ።
እቲ ውድድር፤ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ምስ ኤምባሲታት ዩናይትድ ኪንግደም፣ካናዳን ሜክሲኮን ብምትሕብባር ዘዳለውዎ እዩ።
ተወከልቲ እቲ ፌዴሬሽንን እቶም ኤምባሲታትን ብዛዕባ ዕላማ እቲ ውድድር ብዝምልከት ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቦም።
ኣብ መግለፂኦም ከምዝበልዎ፤ ኣብቲ ውድድር ተቐማጥነቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝገበሩ ልዕሊ 30 ኤምባሲታት፣ሚሲዮናት ዲፕሎማሲ፣ዓለም ለኸ ትካላትን መሓዙትን ክሳተፉ እዮም።
እቲ ውድድር ዲፕሎማሲ ስፖርት ንምልላይ፣ዓለም ለኸ ርክብን ልውውጥ ባህልን ንምጥንኻር ዝዓለመ ከም ዝኾነ እውን ኣረዲኦም።
እቲ ውድድር 6 ሰነ 2018 ዓ/ም ኣብ ስታዴም ኣበበ ቢቂላ ከምዝካየድ ብምግላፅ፤ ኣብቲ መዓልቲ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ ኤምባሲታትን ትካላትን ዝወከሉ 25 ጉጅለታት ኩዕሶ እግሪ ከም ዝወዳደሩ ኣፍሊቶም።
ኣብቲ ውድድር ልዕሊ 2 ሽሕን 500 ተሳተፍቲ ከም ዝርከቡ ትፅቢት ከም ዝግበር እውን ሓቢሮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም