ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ፅባሕ መበል 25 ስሩዕ ኣኼብኡ ከካይድ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ፅባሕ መበል 25 ስሩዕ ኣኼብኡ ከካይድ እዩ
ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 3/2018 (ኢዜኣ)፡- 6ይ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ መበል 25 ስሩዕ ኣኼብኡ ፅባሕ ከም ዘካይድ ኣፍሊጡ፡፡
ኣብቲ ኣኼባ፤ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ኣብ ዘቕርብዎ ረቂቕ በጀት ፌደራል መንግስቲ በጀት ዓመት 2019 ዓ.ም ዝምልከት መግለፂ በጀት ክዝቲ እዩ፡፡
ድሕሪ እቲ ዘተ እቲ ረቂቕ በጀት ንዝርዝር ምልከታ ናብ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ፕላን፣ በጀትን ፋይናንስን ክምራሕ ትፅቢት ከም ዝግበር እውን ካብቲ ቤት ምኽሪ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት፡፡