ማእኸላት ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ኣዲስ ልዕሊ 230 ሽሕ ተገልገልቲ ምትእንጋድ ክኢሉ - ኢዜአ ትግርኛ
ማእኸላት ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ኣዲስ ልዕሊ 230 ሽሕ ተገልገልቲ ምትእንጋድ ክኢሉ
ኣዲስ ኣበባ/ሰኔ 3/2018 (ኢዜኣ) ዲጂታል ኣገለግሎት መንግስቲ ሓደ ማእኸል መሶብ ኣዲስ ስራሕ ካብ ዝጀመረሉ ሓፂር እዋን ጀሚሩ ልዕሊ 230 ሽሕ ህዝቢ ምትእንጋድ ከም ዝኸኣለ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።
እቶም ማእኸላት 99 ሚኢታዊ ዕግበት ተገልገልቲ ከም ዘመዝገቡ እውን ገሊፁ።
ዋና ዳይሬክተር ዲጂታል ኣገለግሎት መንግስቲ ሓደ ማእኸል መሶብ ኣዲስ ደሳለኝ ተረፈ (ኢ/ር) ከም ዝበልዎ፤ ክሳብ 30 ሰነ 2018 ዓ/ም 11 ማእኸላት ንምኽፋት ብምትላም እናተሰርሐ እዩ።
ስለዝኾነ ድማ ክሳብ 30 ግንቦት 2018 ዓ/ም እቶም 9 ማለት እውን ኣራዳ፣ቦሌ፣ ልደታ፣ ቂርቆስ፣ ኣዲስ ከተማ፣ ጉለሌ፣ ንፋስ ስልክ ላፍቶ፣ ኮልፌ ቀራኒዮን የካን ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ኣገልግሎት ከም ዝኣተዉ ሓቢሮም።
እቶም ዝተረፉ ክልተ ማእኸላት ኣቃቂን ለሚ ኩራን እውን ኣፈፃፅምኦም 99 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ ከም ዝበፅሐን ኣብ ቀፃሊ መዓልትታት ተመሪቖም ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጅመሩን ኣረዲኦም።
እቶም ማእኸላት ስራሕ ካብ ዝጀመርሉ ሓፂር እዋን ጀሚሩ ልዕሊ 230 ሽሕ ነበርቲ ከም ዘተኣናገዱ ብምግላፅ፤ ብዝተገበረ ዳህሳስ እውን እግበት ተገልገልቲ 99 ሚኢታዊ ከም ዝበፅሐ ገሊጾም።