እቲ ትካል ኣወሃህባ ኣገልግሎቱ ስሉጥን ምችዉን ዝገብሩ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ዲጂታላይዜሽን እናሳለጠ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
እቲ ትካል ኣወሃህባ ኣገልግሎቱ ስሉጥን ምችዉን ዝገብሩ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ዲጂታላይዜሽን እናሳለጠ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ሰኔ 3/2018(ኢዜኣ) ኣገልግሎት ምዘናን ፈተናታትን ትምህርቲ ኣሰራርሕኡ ዘበናዊ ካብ ምግባር ብተወሳኺ ኣወሃህባ ኣገልግሎቱ ስሉጥን ምችዉን ዝገብሩ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ዲጂታላይዜሽን እናሳለጠ ከም ዝርከብ ዋና ዳይሬክተር እቲ ኣገልግሎት እሸቱ ከበደ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዕላዊ ዝተገበረ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ኣብ ጉዕዞ ዲጂታላይዜሽን እታ ሃገር ልዑል ወፅኢት ኣመዝጊቡ እዩ።
ነዚ ስዒቡ ኣብ ቀረባ እዋን ዕላዊ ዝተገበረን ተግባራዊ ዝኸውን ዘሎን ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 እውን እታ ሃገር ኣብ ዓውዲ ዲጂታል ዝበለፀ ውፅኢታዊት ንምግባር ሰፊሕ ኣስተዋፅኦ እናበርከተ እዩ ዝርከብ።
ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ምዘናን ፈተናታትን ትምህርቲ እሸቱ ከበደ (ዶ/ር) ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከም ዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ትገብሮ ዘላ ጉዕዞ ዲጂታላይዜሽን እቲ ኣገልግሎት ናይ ባዕሉ እጃም ንምብርካት ኣሰራርሕኡ ብቴክኖሎጂ ናይ ምምዕባል ስራሕ እናሳለጠ እዩ ዝርከብ።
በዚ ድማ እቲ ትካል ዝህቦም ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ነዚ ዘበን ዝምጥኑ ንምግባር እናተኽኣለ እዩ ኢሎም።
ኣብ እዋን ትግበራ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 መብዛሕቲኦም ሃገራዊ ፈተናታት ብበይነ መረብ ንተፈተንቲ ምብፃሕ ዘኽእል ዓቕሚ ከም ዝተፈጠረ እውን ተዛሪቦም።
በዚ መሰረት ድማ ዜጋታት ብኣካል ናብቲ ትካል ከይመፁ ኣብ ዘለውዎ ኮኖም ዝጠፍኦም ወይ ድማ ዝተበላሸዎም መረዳእታ ትምህርቲ ምምልካትን ንሕቶታቶም እውን ምላሽ ምርካብን ዝኽእልሉ ኣሰራርሓ ከም ዝተፈጠረ ኣረዲኦም።
እቲ ትካል ኣብ ቀፃሊ እውን ምስ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ሓቢሩ ንምጉዓዝን ንዜጋታት ዝወሃቡ ኣገልግሎታት ዝበለፀ ተበፃሒ ንምግባርን ቴክኖሎጂ ምልማድን ዓቕሚ ምዕባይን ኣጠናኺሩ ከም ዝቕፅለሉ ኣረጋጊፆም።