ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በሎም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ 3/2018 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ንነዊሕ እዋን ዘገልገሉ መራሒ ብምዃኖም መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በሎም ኣመሓላሊፎም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ዓብይ ሓወይን ክቡር ፈታውየይን ናሬንድራ ሞዲ ኣብ ዓለምና እቲ ዝዓበየን ኣዝዩ ንቑሕን ብዝኾነ ማሕበረሰብ ዲሞክራሲ ዘላቒ እምነት ብምርካብ ንህንዲ ብራእን ቆራፅነትን ብተኸታታሊ ሰለስተ ዘበናት ዲሞክራሲያዊ ስልጣን ብምምራሕ ንዘመዝገብዎ ታሪኻዊ ዓወት ዝተሰምዐኒ ሓጎስ ይገልፅ ኢሎም።
ናቶም ኣመራርሓ ብሚልዮን ንዝቑፀሩ ዜጋታት ካብ ድኽነት ዘውፅአ፣ዲጂታል ህዝባዊ መሰረተ ልምዓት ብዝለዓለ ብርኪ ዘስፋሕፈሐን ቅድሚ ሕዚ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዕቤት መሰረተ ልምዓት ብምምፃእ ቅልጡፍ ምንቕቓሕ ኢኮኖሚ ዝተረኸበሉን እዩ ክብሉ እውን ሓቢሮም። 
ቀዳማይ ሚኒስትር ናሬንድራ ሞዲ ብተኸታታሊ ንክፋል ዓለም ደቡብ(Global South) ጠንካራ ድምፂ ኮይኖም ከም ዘገልግሉ እውን ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም