ጎና ጎኒ ዶባት ሃገርና ምሕላው ዲሞክራስያዊ መሰልና ተጠቒምና ድምፅና ሂብና ኣለና - ኣባላት እዚ ሰሜናዊ ምብራቕ 

ሰመራ፣ ሰነ 2/2018(ኢዜኣ)፡- ጎና ጎኒ ዶባት ሃገርና ምሕላው ዲሞክራስያዊ መሰልና ተጠቒምና ድምፅና ሂብና ኣለና ክብሉ ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣባላት እዚ ሰሜን ምብራቕ ገሊፆም፡፡ 
ኣብ መረፃ ፌዴሪኢ፤ ብመሰረት ኣዋጅ ምዝገባን ስነ ምግባርን ፓርቲታት ፖለቲካ፤ ዝኾነ መራፂ ድምፂ ንምሃብ ኣብ ዝነብረሉ ወይ ብቀዋሚነት ኣብ ዝሰርሐሉ ከባቢ ተመዝጊቡ ክመርፅ ከም ዝግባእ ይድንግግ፡፡ 
ኮይኑ ግና፤ ብዝተፈለለዩ ሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣውን ምኽንያታት ዝተፈናቐሉ ዜጋታትን ዶባት ሃገር ንምሕላው ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራትን ካምፕታትን ዝርከቡ ኣባላት ሰራዊትን ኣብ ስሩዕ ጣብያታት መረፃ ተረኺቦም ድምፂ ንምሃብ ዝፅገምሉ ኩነታት ይፈጥር እዩ፡። 
እዚ መሰረታዊ መሰል ንምኽባርን ሓቋፋይነት መረፃ ንምርግጋፅን፤ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ፍሉይ መምርሒ ብምውፃእ ፍሉይ መረጻ ጣብያታት ኣጣይሹ እዩ፡፡ 
ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ብፍሉይ ኩነታት ኣብ መዕቖቢ ተፈናቐልቲ ሃገር ውሽጥን ካምፕታት ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ጣብያታት መረጻ ብምጥያሽ ሎሚ መዓልቲ ከይዲ ኣወሃህባ ድምፂ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ፡፡  



ርእይቶኦም ንኢዜኣ ዝሃቡ ኣባላት እዚ ሰሜን ምብራቕ ከም ዝበልዎ፤ እቲ ሰራዊት ብዝለዓለ ጀግንነት ዶብን ሉኣላውነትን ሃገሩ ኣብ ምሕላው ይርከብ፡፡ 
ጎና ጎኒ ምሕላው ዶባትን ሉኣላውነትን ሃገር ዲሞክራሲያዊ መሰሎም ተጠቒሞም ይኾነና እዩ ዝበልዎ ፓርቲ ከም ዝመረፁ እውን ገሊጾም፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም