ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ከተማ ወልድያ ክዕዘቡ እዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ከተማ ወልድያ ክዕዘቡ እዮም
ኣዲስ ኣበባ፤ሰነ 2 /2018 (ኢዜአ)፦ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ንምዕዛብ ናብ ከተማ ወልድያ ከም ዝኣተዉ ገሊፆም፡፡
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ናይቲ ውሩይ ራእሲ ኣሊ ከተማ፣ዓዲ ስልጠነ የጁታት፣ ኣርባዕቲኦም ኣውራ መንገድታት ዝርከቡላ፣ እምባታት ከም ሓረግ ዝተጋመዱላ፣ ማእኸል ንግዲ ሰሜን ምብራቕ ኢትዮጵያ ናብ ዝኾነት ከተማ ወልድያ ኣቲና ኣለና ኢሎም፡፡
ንፉዓትን ቆናጁን ካብ ዝውለዱላ፣ ታሪኽን ባህልን ኣብ ዝተዓደለት፣ ካብ ምሃብ ወፃኢ ስሰዐ ኣብ ዘይብላ ከተማ ወልድያ እንትንበፅሕ ብመሰረት ባህሊ እቲ ከባቢ ድሙቕ ኣቀባብላ ንዝገበሩልና ርእስ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ፣ካቢኒኦም፣ከንቲባ ከተማ ወልድያን ነበርቲ እታ ከተማን ካብ ልበይ ምስጋናይ ከቕርብ ይደሊ ዝበሉ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣብ ወልድያ ኣብ ዝህልወና ጻንሒት ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ክንዕዘብ ኢና ኢሎም፡፡