ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ዘካየዶ መበል 56 ስሩዕ ኣኼብኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብምዝታይ ውሳነታት ኣሕሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፤ሰነ 2/2018(ኢዜ)፦ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ ኣብ ዘካየዶ መበል 56 ስሩዕ ኣኼብኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብምዝታይ ውሳነታት ኣሕሊፉ፡፡
ውሳነታት መበል 56 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት፦



1. እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ማዕቐፍ ማክሮ ኢኮኖሚን ፊስካልን ማእኸላይ ዘመን (2019-2023) ዘትዩ እዩ፡፡ ድሕሪ ዝተማልኣ ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ተግባራዊ ምግባር ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ካብ ዘለውዎ ማሕለኻታት እናተላቐቐን መሰረት ኢኮኖሚኡ እውን እናተጠናኸሩን መፅዮም እዮም፡፡ እቲ ማዕቐፍ ኣብ ሪፎርም ኢኮኖሚ ዝተረኸቡ ዝተባብዑ ውፅኢታት ብዝበለፀ ኣጠናኺርካ ምቕጻል ዘኽእልን ኣብ ዋና ዋና ማክሮ ኢኮኖሚን ፊስካልን ግምታት ብምምስራት መበገሲ ምድላው በጀት መንግሰቲ ፌደራል በጀት ዓመት 2019 ዓ.ም ኮይኑ ከገልግል ተዳልዩ ቀሪቡ እዩ፡፡ እቲ ቤት ምኽሪ እውን ኣብቲ ማዕቐፍ ብሰፊሑ ድሕሪ ምዝታይ ኣብ ስራሕ ክውዕል ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ፡፡ 



2. ኣብ መወዳእታ እውን እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ኣዋጅ ረቂቕ በጀት መንግስቲ ፌዴራል በጀት ዓመት 2019 ዘትዩ። በጀት መንግስቲ ፌዴራል 2019 ኣካል መሪሕ ትልሚ 10 ዓመት ኣብ ዝኾነ ትልሚ ልምዓትን ኢንቨስትመንትን 2019-2021 ዝተቐመጡ ሽቶታትን ማዕቐፍ ማክሮ ኢኮኖምን ፊስካልን ማእኸላይ ዘበን(2019-2023) መሰረት ብምግባርን፣ኣፈፃፅማ በጀት ፕሮግራም በጀት ዓመት 2018 መበገሲ ብምግባር፣ኣንፈታትን ዕላማታትን ቀፃሊ ክህሉ ዝኽእል ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ትራንስፎርሜሽን ከምኡ እውን ብመንግሥቲ ዝተቐመጡ ሽቶታት ንምዕዋት ዓቕሚ ፋይናንስ መንግስትን ፈፀምቲ ኣብያተ ዕዮ ንዝተውሃቦም ሓላፍነትን ልኡኽቶን ዘድሊ ወፃእን ብምግምጋም ተዳሊዉ ቀሪቡ እዩ።
ብመሰረት እዚ እውን ንስሩዕ ወፃእታት፣ካፒታል ወፃእታት፣ደገፍ መንግስቲ ክልላት፣ደገፍ መፈፀሚ ሽቶታት ልምዓት ዝውዕል 2,339,268,126,738(ክልተ ትሪሊዮን፣ሰለስ ሚእትን ሰላሳን ትሸዓንተን ቢልዮን፣ክልተ ሚኢቲ ስድሳን ሸሞንተን ሚልዮን፣ሓደ ሚኢቲ ዒስራን ሽዱሽተን ሽሕ፣ሸውዓት ሚኢቲ ሰላሳን ሸሞንተን ብር) በጀት ናብቲ ቤት ምኽሪ ቀሪቡ።
እቲ ቤት ምኽሪ እውን ኣብቲ ዝቐረበ ኣዋጅ ረቂቕ በጀት መንግስቲ ፌዴራል 2019 ብሰፊሑ ድሕሪ ምዝታዩ እታዎታት ብምውሳኽ ናብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ንክመሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም