ኣብ ፍሉይ ጣብያታት መውሃቢ ድምፂ ከይዲ ኣወሃህባ ድምፂ ሻብዓይ ሓምሻይ ሓፈሻዊ መረፃ እናተኻየደ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ፍሉይ ጣብያታት መውሃቢ ድምፂ ከይዲ ኣወሃህባ ድምፂ ሻብዓይ ሓምሻይ ሓፈሻዊ መረፃ እናተኻየደ እዩ
ኣዲስ ኣበባ ፤ ሰነ 2/2018 (ኢዜኣ)፦ ኣብ ተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገርን ወታደራዊ ካምፕታትን ኣብ ዝርከቡ ፍሉይ ጣብያታት መረፃ ብፍሉይ ኩነታት ከይዲ ኣወሃህባ ድምፂ ሻብዓይ ሓፈሻዊ መረፃ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ፡፡
ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ 24 ጉንቦት 2018 ዓ.ም 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ከም ዘፈፀመ ዝዝከር እዩ፡፡
ብተወሳኺ እቲ ቦርድ ብመሰረት“ኣዋጅ መረፃ ኢትዮጵያ ፣ ምዝገባን ስነ ምግባር መረፃን ፖለቲካ ፓርቲታት 1162/2011 ዓንቀጽ 17” ዝተውሃቦ ስልጣን ኣብ ተመዛበልቲ ሃገር ውሽጥን ወታደራዊ ካምፕታትን ፍሉይ ጣብያታት መረፃ ብምጥያሽ ነበርቲ እቶም ካምፕታት ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ክሳተፉ ብመራፅነት ከም ዝመዝገበ ዝፍለጥ እዩ፡፡
በዙይ መሰረት ኣብቶም ካምፕታት ብመራፅነት ዝተመዝገቡ ዜጋታት ከይዲ ኣወሃህባ ድምጺ እናተኻየደ ከም ዝርከብ እቲ ቦርድ ኣብ ሓበሬታኡ ኣመላኺቱ፡፡