ኣብ ካምፕታት ብመራፅነት ዝተመዝገቡ ዜጋታት ድምፆም እናሃቡ እዮም

ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 2/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ወታደራዊ ካምፕታትን መዕቖቢ ተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገርን ብመራፅነት ዝተመዝገቡ ዜጋታት ድምፆም እናሃቡ እዮም።
ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ 24 ጉንቦት 2018 ዓ.ም ሻብዓይ ሓፈሻዊ መረፃ ከም ዘካየደ ዝፍለጥ እዩ፡፡ 
እቲ ቦርድ ብመሰረት“ኣዋጅ መረፃ ኢትዮጵያ ፣ ምዝገባን ስነ ምግባር መረፃን ፖለቲካ ፓርቲታት 1162/2011 ዓንቀጽ 17” ዝተውሃቦ ስልጣን ኣብቲ ስሩዕ መረፃ ብፍሉይ ኩነታት ንዘይተሳተፉ ዜጋታት ድምፂ መውሃቢ መዓልቲ ዘመቻቹ ይኸውን፡። 
ስለዝኾነ ድማ ኣብ ተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገርን ወታደራዊ ካምፕታትን ፍሉይ ጣብያታት መረፃ ኣጣይሹ እዩ፡። 
እዙይ ድማ ነበርቲ እቶም ካምፕታት ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ብመራፅነት ክሳተፉ ብዝመዝገቦ መሰረት ዝካየድ እዩ፡፡ 
ስለዝኾነ ኣብቶም ካምፕታት ብመራፅነት ዝተምዝገቡ ዜጋታት ሎሚ መዓልቲ 2 ሰነ 2018 ዓ.ም ድምፆም እናሃቡ ይርከቡ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም