ኢትዮጵያን ኮሚሽን ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ውሕመን ታሪኻዊ ምትሕብባሮም ንምጥንኻር ከም ዝሰርሑ ኣረጋጊፆም - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያን ኮሚሽን ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ውሕመን ታሪኻዊ ምትሕብባሮም ንምጥንኻር ከም ዝሰርሑ ኣረጋጊፆም
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ 1/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያን ኮሚሽን ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ውድብ ሕቡራት መንግሥትታትን ኣብ መንጎኦም ዘሎ ንነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ምሕዝነት ብሓደሽቲ ዓውድታት ምትሕብባር ንምዕባይ ከም ዝሰርሑ ኣፍሊጦም።
ኣብ ሕብረት ኣፍሪካን ኮሚሽን ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ውሕመን ቀዋሚ ልኡኽቲ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ለምለም ፍስሃ ደብዳበ ሹመተን ንዋና ፀሓፊ እቲ ኮሚሽን ክላቨር ጋቴቴ ሎሚ ኣቕሪበን።
ኣብዚ እዋን እውን እተን ኣምባሳደርን እቶም ዋና ፀሓፍን ኣብ ክልቲኣውን ሓባራዊ ድሌታትን ጉዳያት ዘትዮም።
ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዘተኦም፤ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን እቲ ኮሚሽንን ዘሎ ታሪኻዊ ርክብን ምሕዝነትን ኣልዒሎም።
እዚ ስትራቴጂካዊ ርክብ ብዝበለፀ ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም ሓደሽቲ ዓውድታት ምትሕብባር ልውውጥ ሓሳብ ከም ዝገበሩ እውን ሓበሬት ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ የመላኽት።
ኣምባሳደር ለምለም ፍስሃ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ ደብዳበ ሹመተን ከም ዘቕረባ ዝዝከር እዩ።