ዝተጀመረ ጉዕዞ ብልፅግና ሃፍቲ ህዝቢ ንልምዓት ብምውዓል ብዝተጠናኸረ መልክዑ ክቕፅል እዩ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ 1/2018 (ኢዜኣ) ህዝብና ንኣለሻ ኣገልግሎት ግዚኡን ገንዘቡን ከየባኸነ ሃፍቱ ንልምዓት ንከውዕል ንገብሮ ፃዕሪ ኣጠናኺርና ክንቕፅለሉ ኢና ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ፤ መበል 9ይ ዲጂታል ኣገልግሎት መንግስቲ ሓደ ማእኸል መሶብ ኣዲስ ኣብ ክፍለ ከተማ የካ ሎሚ መዓልቲ ስራሕ ከም ዝጀመረ ኣፍሊጠን።



ንህዝቢ ዝኣተናዮ ቃል ብተግባር ምፍፃም መፍለይና እዩ ክብላ እውን ሓቢረን።
ኣወሃህባ ኣገልግሎት መንግስቲ ቅልጡፍ፣ ስሉጥ፣ ግልፅን ተበፃሕን ንምግባር ማእኸላት ዲጂታል ኣገልግሎት መንግስቲ ሓደ ማእኸል መሶብ ኣብ 2018 ዓ/ም ኣብ ኩሎም ክፍለ ከተማታት ስራሕ ንምጅማር ትልሚ ተታሒዙ እናተሰርሐሉ ከም ዝርከብ ኣረዲአን።
ብመሰረት ነቲ ህዝቢ ቃል ዝተኣተወ እውን እቲ ናይ ሎሚ ሓዊሱ 9 ማእኸላት ናብ ስራሕ ምእታው ከም ዝተኽኣለ ኣመላኺተን።
እቲ ህዝቢ ንኣለሻ ኣገልግሎት ግዚኡን ገንዘቡን ከየባኸነ ሃፍቱ ንልምዓት ንከውዕል ንምግባር እቲ ዝተተለመ ሽቶ ብምዕዋት ዝጀመርናዮ ጉዕዞ ብልፅግና ኣጠናኺርና ክንቕፅለሉ ኢና ኢለን ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም