ፖሊስ ፌደራል ንታሪኽን ልዕልናን ኢትዮጵያ ብዝምጥን መልክዑ እናሰርሐ እዩ-ኮሚሽነር ጄኔራል ደመላሽ ገ/ሚካኤል

ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ /1/2018 (ኢዜ)፦ ፖሊስ ፌደራል ንታሪኽን ልዕልናን ኢትዮጵያ ዘመኑን ብዝምጥን መልክዑ ተግባራዊ ስራሕቲ እናሰርሐ ከም ዝኾነ ላዕለዋይ ኣዛዚ ፖሊስ ፌዴራል ኮሚሽነር ጄኔራል ደመላሽ ገ/ሚካኤል ገሊፆም፡፡
ኮሚሽነር ጄኔራል ደመላሽ ገብረ ሚካኤል ከም ዝገለፅዎ፤ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ስዒቡ ሪፎርም ዘከያደ እቲ ትካል ኣብዚ ሕዚ እዋን ገበን ናይ ምክልኻል ጠንካራ ዓቅሚ ሃኒፁ እዩ፡፡
እዙይ ድማ ምስ ተለዋዋጥን ዲጂታልን ኩነታት ዓለም ብማዕረ ንክጓዓዝ ኣኽኢልዎ እዩ፡፡
ፖሊስ ፌደራል  ንታሪኽን ልዕልናን ኢትዮጵያ ብዝምጥን መልክዑ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናሰርሐ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ኣብ ምክልኻል ዓለም ለኸ ዶብ ተሳገርቲ ገበናት ውፅኢታዊ ስራሕ ከም ዝሰርሐ ገሊፆም፡፡
እቲ ትካል ኣብ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ብዝተፈላለዩ ኣንፈታት መስመር ዘርጊሖም ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ተጠርጠርቲ ምስ መራሒኦም ብምሓዝ ከይዲ ፍርዶም ክከታተሉ ከም ዝገበረ እውን ተዛሪቦም፡፡
ተመሳሳሊ ተግባራት ገበን ዘጋጥመሎም ዞባታት ብምፍላይ ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ ከም ዝኾነ ዝገለፁ እቶም ኮሚሽነር ጄኔራል፤ ሂወት ብዙሓት ዜጋታት እናቐጠፈ ኣብ ዝርከብ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ብቆራፅነት ዝሰርሖ ስራሕ ብዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ ትካላት ናእዳ ክረክብ ገይርዎ እዩ ኢሎም፡፡
በዙይ ድማ እቲ ትካል ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ኣብ ዓለም ለኸ ቁፅፅር ገበናት ዘይትካእ ግደ እናተዋፅአ ከም ዝኾነ ገሊፆም፡፡
ተግባራት ገበን ዋላ ኳ ካብ እዋን ናብ እዋን እናተራቐቑ ብቴክኖሎጂ እውን እናዓበዩ እንትመፁ ፖሊስ ፌደራል ብኡ ልክዕ ዓቕሙ ብምጥንኻር ነቲ ዘበን ብዝምጥን መገዲ ከም ዝቐፀለ ምርግጋጾም ዝፀብጸበ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን እዩ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም