ዓወት እቲ ሓፈሻዊ መረፃ ኢትዮጵያውያን ንህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ዘለዎም ቆራፅነት ንዓለም ዘመስከርሉ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ 1/2018(ኢዜኣ) ዓወት ሓፈሻዊ መረፃ ኢትዮጵያ ኢትዮጵያውያን ንህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ዘለዎም ቆራፅነት ንዓለም ዘመስከርሉ ከም ዝኾነ ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ዲያስፖራ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ፍፁም ኣረጋ ገሊፆም።
7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ኢትዮጵያ 24 ግንቦት 2018 ዓ/ም ካብ ንጉሆ 12 ሰዓት ጀሚሩ ክሳብ ፍርቂ ለይቲ 6 ሰዓት ከምዝተኻየደን ብዓወት ከም ዝተዛዘመን ዝፍለጥ እዩ።
ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ዲያስፖራ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ፍጹም ኣረጋ ንኢዜኣ ከም ዝበልዎ፤ ዓወት ሓፈሻዊ መረፃ ኢትዮጵያ ብብርኪ ዓለም ዝተዘርግሑ ኣሉታዊ ፀብፃብን ስሑት ትምኒትን ዘምከነ ታሪኻዊ ዓወት እዩ።
ኣብ ከይዲ እቲ መረፃ እውን ህዝቢ ኢትዮጵያ ይጠቕመኒ እዩ ዝብሎ ፓርቲ ብምምራፅ መንግሥቲ ብዲሞክራሲያዊ መረፃ ምምስራት ከም ዝከኣል ብተግባር ከም ዘርኣየ ሓቢሮም።
ብተፃራሪኡ እውን ሰላም ኢትዮጵያ ዘይደልዩ ዝተወሰኑ ኣካላት ዝዘርግሕዎ ከንቱ ድምፂ ብንቑሕ ተሳትፎ ኢትዮጵያውያን ከም ዝፈሸለ ኣረዲኦም።
ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ዝተርኣየ ንቑሕ ተሳትፎ ኢትዮጵያውያን እውን እቲ ዲያስፖራ ማሕበረሰብ ብኣወንታ ከም ዝሪኦ ተዛሪቦም።
እቲ ህዝቢ ኣብቲ መረፃ ብዝገበሮ ተሳትፎ ንህንፀት ሃገርን ኩለ መዳያዊ ዕቤትን ዘለዎ ተበግሶን ቆራፅነትን ንህዝቢ ዓለም ብተግባር ከም ዘርኣየ ኣብራህሪሆም።
ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ተስፋ ብዝሃ ዕቤት ሃገሮም ብምዕዛብን ብምጉብናይን ኣብቲ ዝተፈጠረ ኣማራፂ ኢንቨስትመንት ንክሳተፉ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም