ፅሬትን ድሕንነትን ምግቢ ምርግጋፅ ዘኽእል ዓቕሚ ላብራቶሪ እናተሃነፀ እዩ-በዓል መዚ ምግብን መድሓኒትን ኢትዮጵያ - ኢዜአ ትግርኛ
ፅሬትን ድሕንነትን ምግቢ ምርግጋፅ ዘኽእል ዓቕሚ ላብራቶሪ እናተሃነፀ እዩ-በዓል መዚ ምግብን መድሓኒትን ኢትዮጵያ
ኣዲስ ኣበባ/ሰኔ 1/2018(ኢዜኣ) ፅሬትን ድሕንነትን ምግቢ ምርግጋፅ ዘኽእል ዓቕሚ ላብራቶሪ እናተሃነፀ ከም ዝኾነ በዓል መዚ ምግብን መድሓኒትን ኢትዮጵያ ገሊፁ።
እቲ በዓል መዚ “ካብ ፀገም ድሕንነት ምግቢ ናብ መፍትሕታት፤ ኣብ ኩሉ ቦታ ድሕንነቱ ዝተሓለወ ምግቢ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዓለም ለኸ መዓልቲ ድሕንነት ምግቢ ምኽንያት ብምግባር መድረኽ ዘተ የካይድ ኣሎ።
ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ሄራን ገርባ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልኦ፤ ፀገም ድሕንነት ምግቢ ህፃናት ሓዊሱ ብሚልዮን ንዝቑፀሩ ሰባት ጠንቂ ጥዕና እዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ብምኽንያት ፀገም ድሕንነት ምግቢ ዘጋጥም ፀገም ጥዕና ንምቕናስ ስራሕ ህንፀት ዓቕሚ ላብራቶሪን ቅድመ ምክልኻልን እናተሳለጠ እዩ ዝርከብ ኢለን።
ምውዳድ መዳርግቲ ኣካላት ብምጥንኻር ሰንሰለት ቀረብ ምድላው ምግቢ ምጥንኻር ዘኽእል ደገፍን ክትትልን ከምኡ እውን ምርምርን መፅናዕትን ቴክኖሎጂ እናተገበረ ከም ዝኾነ እውን ኣረዲአን።
ፅሬትን ድሕንነትን ምግቢ ምርግጋፅ ዘኽእል ዓቕሚ ላብራቶሪ እናተሃነፀ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ እቲ መድረኽ እውን ድሕንነት ምግቢ ምርግጋፅ ዘኽእል ሓሳብ ዝለዋወጠሉ እዩ ኢለን።
ዓለም ለኸ መዓልቲ ድሕንነት ምግቢ ብብርኪ ኢትዮጵያ ን7ይ ግዜ ብብርኪ ዓለም ድማ ን8ይ ግዜ ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብርታት እናተኸበረ እዩ ዝርከብ።