ምስ ዝኾነ ዕጡቕ ጉጅለ ርክብ የብለይን-ኦብነግ

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ 1/2018(ኢዜኣ) ብሄራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን(ኦብነግ) ምስ ዝኾነ ዕጡቕ ጉጅለ ርክብ የብለይን ኢሉ።
ብሄራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን(ኦብነግ) ምስ ዕጡቓት ጉጅለታት ርክብ ኣለዎ ንዝተብሃለ ሓበሬታ ነፂጉዎ።
ኦብነግ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝኣተዎ ስምምዕ ሰላም ዘለዎ ቆራፅነት እውን ኣረጋጊፆም።
ኦብነግ ምስ ዝኾነ ዕጡቕ ጉጅለ ርክብ የብለይን ክብል እውን ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣፍሊጡ።
ኦብነግ ምስ ዕጡቓት ጉጅለታት ርክብ ኣለዎ ንዝተብሃለ ሓበሬታ ብፅኑዕ ከም ዝኹንን ብምግላፅ፤ ምስ መንግሥቲ ኢትዮጵያ ንዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ዘለዎ ጠንካራ ቆራፅነት ደጊሙ የረጋግፅ ኢሉ።
ድንጋገታት እቲ ስምምዕ ብሙሉእ ንምኽባርን ተግባራዊ ንምግባርን ዘለዎ ድሉውነት እውን ከም ዘረጋግፅ እውን ሓቢሩ።
ስለዝኾነ ድማ ኦብነግ ምስ መንግሥቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጎንፂ ምስ ዝሳተፉ ዕጡቓት ጉጅለታት ዝኾነ ዓይነት ርክብ፣ምትሕብባርን ተሳትፎን ከምዘይብሉ ብምርግጋፅ፤ ንሰላማዊ ርክባት ሙሉእ ብሙሉእ ቆራፅ ኮይኑ ከም ዝቕፅልን ሰላም፣ምርግጋዕን ረብሓ ህዝብን ክልል ሶማሌ ኣብ ሓደጋ ዘውድቑ ዝኾነ ዓይነት ፍፃመ ከም ዝኹንን ኣረዲኡ።
ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2025 ኣብ ጅግጅጋ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ኦብነግ ኣይተ ኣብዲራህማን ማህዲ ካብ ኣቦ መንበርነት ሓላፍነቶም ዝተልዓሉ እንትኸውን፤ ኣይተ ኣብዲካሪም ሼክ ሙሴ ሓዱሽ ኣቦ መንበር ፓርቲ ኦብነግ ኮይኖም ተመሪፆም እዮም።
ስለዝኾነ ድማ ድሕሪ እዛ መዓልቲ እዚኣ ብኣይተ ኣብዲራህማን ማህዲ ዝተገበሩ ዝኾኑ ዓይነት ስጉምቲ፣ዝተመሓላለፉ ውሳነታትን ዝተውሃቡ መግለፅታትን ንዕላዊ መትከል ፓርቲ ኦብነግ ከም ዘይውክሉን ውልቃዊ ስርሖምን ምልከትኦምን ተገይሮም ክቑፀሩ ይግባእ ኢሉ እቲ ፓርቲ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም