7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ኢትዮጵያ ንክተሸንፍ ዝተትሓዘ ትልሚ ብዓወት ዝተፈፀመሉ እዩ-ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 30/2018(ኢዜኣ) 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ሃገራዊ ሽቶታት ንከዕዉትን ኢትዮጵያ ንክተሸንፍን ብፓርቲ ብልፅግና ዝተትሓዘ ትልምን ዝተሳለጡ ዓበይቲ ስራሕትን ብዓወት ዝተፈፀመሉ ከም ዝኾነ ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።
ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ንዝሓለፉ ክልተ መዓልትታት ኣብ ክልል ሶማሌ ሪዞርት ሸበሌ ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ፓርቲ ክሳብ እቲ መዓልቲ መረፃ ዘሎ ኣፈፃፅማ ትልሚ ስራሕቲ መረፃ ፓርቲ ብልፅግና ብዕምቆት ብምግምጋምን ኣብ ስራሕቲ ድሕረ መረፃ ብምርድዳእን እቲ መድረኽ ከም ዝተዛዘመ ሓቢሮም።



ንዕዉትነት እቲ መረፃ ልዑል ኣስተዋፅኦ ንዝገብሩ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ፣ ተነሓናሕቲ ውድባት ፖለቲካ፣ ሓይልታት ፀጥታ ፌዴራልን ክልላትን፣ ብተዓዛብነት ዝተሳተፉ ሃገራዊ፣ ዞባውን ኣህጉራውን ትካላት ከምኡ እውን መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምስጋና ኣቕሪቦም።
ጎና ጎኒ እቲ ኣኼባ ላዕለዎት ኣመራርሓ ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ኣብ ዋና ከተማ ክልል ሶማሌ ከተማ ጅግጅጋ ዝሳለጡ ዘለው ስራሕቲ ልምዓት ከም ዝተዓዘቡ ኣረዲኦም።
ኣብ ዑደቶም እውን፤ ብፃዕሪ ህዝብን መንግስትን እቲ ክልል ዝተባብዑ ዓወታት ከም ዝተዓዘቡ ፀሪሖም።
ዋና ትኹረት ፓርቲ ብልፅግና ኣገልጋልነት ህዝቢ ምርግጋፅን ኣወሃህባ ኣገልግሎት ምምዕባልን እዩ ዝበሉ ኣይተ ኣደም፤ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተሃነፁን ኣብ ህንፀት ዘለዉን ትካላት ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ማሕለኻታት ቢሮክራሲ ብምፍታሕ ዕግበት ዜጋታት ብዝለዓለ ብርኪ እናዕበዩ ከም ዝርከቡ ገሊፆም።
ብልዑል ትግሃትን ቆራፅነትን ሓቃዊ ዲሞክራሲ ምስ ዝጭበጥ ዓወታት ልምዓት፣ ሰናይ ምምሕዳርን ሰላምን ብምውዳድ ኩለ መዳያዊ ብልፅግና ኢትዮጵያ ብተግባር ናይ ምርግጋፅ ስራሕና ኣጠናኺርና ክንቕፅለሉ ኢና ኢሎም። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም