825 ክልላት መረፃ ግዝያዊ ውፅኢት ዕላዊ ገይሮም-ቦርድ መረፃ - ኢዜአ ትግርኛ
825 ክልላት መረፃ ግዝያዊ ውፅኢት ዕላዊ ገይሮም-ቦርድ መረፃ
ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 29/2018 (ኢዜኣ) ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ክሳብ ሕዚ ኣብ 825 ክልላት መረፃ ግዝያዊ ውፅኢት ዕላዊ ከም ዝገበሩ ኣካቢት ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ሜላትወርቅ ሃይሉ ገሊፀን።
ኣካቢት እቲ ቦርድ ሜላትወርቅ ሃይሉ ንመራኸበቲ ሓፋሽ ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ፤ 24 ግንቦት 2018 ዓ/ም ዝተኻየደ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ብጠንካራ ተሳትፎ ህዝቢ ብዓወት ከም ዝተዛዘመ ሓቢረን።
ኣብቲ መዓልቲ መረፃ እውን ካብ ንጉሆ ሰዓት 12 ዝተጀመረ ከይዲ ምሃብ ድምፂ ክሳብ 6 ሰዓት ፍርቂ ለይቲ ከም ዝተናውሐ ኣዘኻኺረን።
ካብ ፅባሕ እቲ መረፃ ጀሚሩ ግዝያዊ ውፅኢታት በቢ ጣብያታት መረፃ እናተለጠፉ ከም ዝፀንሑ ብምግላፅ፤ ውፅኢት እቶም ጣብያታት መረፃ ምስጢራውነቶም ብዝተሓለወ መልክዑ ናብ ክልላት መረፃ ንክበፅሑ ከም ዝተገበረን ስራሕ ምድማር እናተሳለጠ ከም ዝፀንሐን ኣረዲአን።
ብመሰረት እዚ ድማ እቲ ቦርድ መረፃ ካብ ዘካየደሎም ጠቕላላ 1 ሽሕን 138 ክልላት መረፃ እቶም 825 ናይ ምድማር ስርሖም ሙሉእ ብሙሉእ ብምዝዛም ግዝያዊ ውፅኢት ዕላዊ ከም ዝገበሩ ኣፍሊጠን።
ናይ ምድማር ስራሕ እናሳለጡ ዘለዉ ዝተረፉ ክልላት መረፃ ከም ዘለዉ ብምሕባር፤ እዞም ዝተረፉ ክልላት መረፃ እቲ ከይዲ ኣብ ውሽጢ ሓፂር መዓልትታት ዛዚሞም ውፅኢት ዕላዊ ከም ዝገብሩ እውን ኣረጋጊፀን።