ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ነዚ ዘበን ብዝምጥን ኣወዳድባን ብዝለዓለ ብቕዓትን ሉኣላዊነትን ክብርን ሃገር እናሓለወ እዩ-ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ - ኢዜአ ትግርኛ
ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ነዚ ዘበን ብዝምጥን ኣወዳድባን ብዝለዓለ ብቕዓትን ሉኣላዊነትን ክብርን ሃገር እናሓለወ እዩ-ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ
ድሬዳዋ/ግንቦት 29/2018(ኢዜኣ) ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ነዚ ዘበን ብዝምጥን ኣወዳድባን ብዝለዓለ ብቕዓትን ሉኣላዊነትን ክብርን ሃገር እናሓለወ ከም ዝኾነ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ፌዴሪኢ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊፆም።
ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ሕፁያት መኮንናት ሁርሶ መበል 27 ዙር ዘሰልጠኖም ሕፁያ መኮንናት ሎሚ ኣመሪቑ።
ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ፌዴሪኢ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ እቲ ሰራዊት ነዚ ዘበን ብዝምጥን ኣወዳድባን ብቕዓትን ሉኣላዊነትን ክብርን ሃገር እናሓለወ እዩ ዝርከብ።
ኢትዮጵያ በቢ ዘበኑ ሉኣላዊነታን ክብራን ኣኽቢሮም ናይ ዘረከቡ ጀጋኑ ሃገር ከም ዝኾነት ብምግላፅ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን እውን እቲ ሰራዊት ዝለዓለ ብቕዓቱ ብተግባር እናመስከረ እዩ ዝርከብ ኢሎም።
እቲ ሰራዊት ካብ ግዳማዊ ፀላእቲ ልኡኽቶ ተቐቢሎም ሃገሮም ንዝብድሉ ባንዳታትን ተለኣኣኽትን ተኸታቲሉ ጠንካራ ስጉምቲ እናወሰደ ከም ዝኾነ እውን ሓቢሮም።
ናይ ሎሚ ተመረቕቲ እውን ኣብ ልዕሊ ሉኣላዊነትን ብሄራዊ ረብሓን ኢትዮጵያ ዝሕሰቡ መጥቃዕትታት ብምምካት ብጀግንነት ጠጠው ክብሉ ከምዘለዎም ኣተሓሳሲቦም።
እቶም ተመረቕቲ ዝረኸብዎም ዘበናዊ ወታደራዊ ፍልጠት ምስ ዘለዎም ተሞኩሮ ብምውዳድ ኣፈፃፅማ ልኡኽቶ እቲ ሰራዊት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ምስግጋር ትፅቢት ይግበረሎም ኢሎም።