ሻብዓይ ሓፈሻዊ መረፃ ኣብ ታሪኽ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዓብዪ ዓወት እዩ- ሚኒስትር መሀመድ ኢድሪስ - ኢዜአ ትግርኛ
ሻብዓይ ሓፈሻዊ መረፃ ኣብ ታሪኽ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዓብዪ ዓወት እዩ- ሚኒስትር መሀመድ ኢድሪስ
ባህር ዳር፤ጉንቦት 29/2018(ኢዜኣ)፦ - ሻብዓይ ሓፈሻዊ መረፃ ኣብ ታሪኽ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ከም ዓብዪ ዓወት ዝርአ ከም ዝኾነ ሚኒስትር ሰላም መሀመድ ኢድሪስ ገሊፆም፡፡
ነቲ መረፃ ንምትዕንቓፍ ዝተገበሩ ብርክት ዝበሉ ፈተነታት ብምፍሻል ዕዉት መረፃ ምክያድ ከም ዝተኽኣለ እውን ሓቢሮም፡፡
እቶም ሚኒስትር ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ ነቲ መረፃ ንምትዕንቓፍ ዝተገበሩ ዝተፈላለዩ ፈተነታት ጥፍኣት ሙሉእ ንሙሉእ በርዒኖም ውፅኢታዊ መረፃ ከም ዝተገብረ ኣመላኺቶም፡፡
ኣብ ታሪኾም ካብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ወፃኢ ኮሮጂ መረፃ ካብ ዘይፈልጡ ፀላእቲ ኢትዮጵያ ኣጀንዳ ጥፍኣት ተቐቢሎም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ስግኣት ንምፍጣር ዝደልዩ ኣካላት ነቲ መረፃ ንምትዕንቓፍ ፈተነ ገይሮም እዮም ኢሎም፡፡
እቶም ግዙኣት ባንዳታት እውን ተዋዲዶም ሻብዓይ ሓፈሻዊ መረፃ ከይካየድ ንምግባር ቅድሚ መረፃ፣ ኣብ እዋን መረፃን ድሕሪ መረፃን ዝተፈላለዩ ፈተነታት ከም ዝገበሩ ተዛሪቦም፡፡
ኮይኑ ግና ሻብዓይ ሓፈሻዊ መረፃ ኢትዮጰውያን ብሓባር ደው ብምባል ንህንጸት ጠንካራ ስርዓት ዲሞክራሲ ዘለዎም ቆራጽነት ዘርኣይሉ መድረኽ ከም ዝኾነ ገሊጾም፡፡
ብፍላይ ፅንፍኛ ጉጅለታት ካብ ቅድመ መረፃ ጀሚሮም ዝተዛብዐ ሓበሬታትት ክውዝዑ ከም ዝፀንሑ ብምዝኽኻር፤ ኣብ እዋን መረፃ እውን ተግባር ግብረ ራዕዲ ንምፍፃም ፈተነታት ከም ዝገበሩ ተዛሪቦም፡፡
ንኣብነት ኣብ ዩንቨርሲቲ ጎንደር ኩዕሶ እናተመልከቱ ኣብ ዝነበሩ ተምሃሮ ቦንቢ ብምውርዋር ሂወት ሓደ ተምሃራይ ክሓልፍ ከም ዝገበሩ ብምሕባር፤ ኣብ ካልኦት ተምሃሮ እውን ሓደጋ መቑሰልቲ ከም ዘብፅሑ ኣረዲኦም፡።
እቶም ፅንፈኛታት ኣብቲ መዓልቲ መረፃ ሓዊሱ ዋላ ኳ ዝተፈላለዩ ትንኮሳታት እንተገበሩ እቲ ፈተነ ከይተሳኸዐ ተሪፉ እዩ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፤ እዙይ ኣይሳኻዕን ዝበሎም ሓይልታት ጥፍኣት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ኣርሲ ወረዳ ኣሰኮ ኣብ ልዕሊ ዜጋትት ጥቕዓት ከም ዝፈፀሙ ተዛሪቦም፡፡
በቲ ጥቕዓት ኣብ ልዕሊ ኣካላት ፀጥታ፣ ቤት እምነት፣ መንበሪ ኣባይትን መሰረተ ልምዓትን ጉድኣት ዝበፅሐ ኮእንትኸውን ብተመሳሳሊ ኣብቲ ዞባ ወረዳታት ሀንቀሎ ዋቤን ሺርካን ተመሳሰልቲ ፀገማት ከም ዘጋጠሙ ገሊጾም፡፡
ነቲ ጸገም ብዘላቕነት ንምፍታሕ ኩለመደያዊ ጻዕሪ እናተገበረ ከም ዝኾነ ብምግላጽ፤ ኣብዚ ከይዲ ምስ ኣቦታት ቤተክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ፣ ምስ ኣመራርሓ ክልል ኦሮሚያን እቲ ጓዳይ ምስ ዝምልከቶም ኣካላትን ዘተ ተገይሩ እዩ ኢሎም፡፡
እቲ ሓቂ እዙይ ኮይኑ እናሃለወ ዝተፈጠረ ጸገም ግቡእ ንዘይኮነ ፖለቲካዊ ረብሓ ንምውዓል ዝግበር ፈተነ ተቐባልነት ከም ዘይብሉ እውን እቶም ሚኒስትር ገሊፆም፡፡
ነቲ ኩነታት ከም መበገሲ ብምግባር ናይ ባዕልኻ ፖለቲካዊ ድልየት ንምምላእ ዝጓየዩ ኣካላት ካብ ተግባራቶም ክዕቀቡ ከም ዝግባእ ብምትሕስሳብ፤ ኣጥፋኢ ኣካል ብሓባር ምውጋዝ ከም ዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡
ብሓፈሻ ሻብዓይ ሓፈሻዊ መረፃ ንምትዕንቓፍ ብዝተፈላለዩ መገዲታት ዝግለጹ ፈተነታት ዝነበሩ እንትኸውን እቲ መረፃ ብዝተሳኸዐ ኩነታት ተዛዚሙ ኣብ ታሪኽ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ሓዱሽ ምዕራፍ ተኸፊቱ እዩ ኢሎም፡፡