መርኣያነት ዕቤት ዓውዲ ጥዕና ኢትዮጵያ ብተግባር ዝተረጋገፀ እዩ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ - ኢዜአ ትግርኛ
መርኣያነት ዕቤት ዓውዲ ጥዕና ኢትዮጵያ ብተግባር ዝተረጋገፀ እዩ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 28/2018(ኢዜኣ) መርኣያነት ዕቤት ዓውዲ ጥዕናን ምዕራፍ ልዑል ቴክኖሎጂን ኢትዮጵያ ብተግባር ዝተረጋገፀ ከም ዝኾነ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
ኣብ ሓፈሻዊ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ዳግማዊ ምንሊክ ዝተሃነፀ ማእኸል ልህቀት ምርመራ ዲኤንኤ (DNA)፣ ፎረንሲክን ስነ ምረዛን ሎሚ መዓልቲ ተመሪቑ።
ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ፣ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፣ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ቡዜና ኣልከድርን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ምምሕዳር ከተማን ተረኺቦም።
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልኦ፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብታ ከተማ ንዓውዲ ጥዕና ፍሉይ ትኹረት ተዋሂቡ እዩ።
ኣብታ ከተማ 4 ሓደሽቲ ሆስፒታላት ከም ዝተሃነፁ ብምግላፅ፤ እቶም ክልተ ቀዲሞም ናብ ስራሕ ከም ዝኣተዉን እቶም ዝተረፉ ክልተ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ኣገልግሎት ምሃብ ከም ዝጅምሩን ኣረዲአን።
ካብ ሓደሽቲ ህንፀታት ብተወሳኺ ስራሕ ምዕባይ ዓቕሚ ነባር ትካላት ብሰፊሑ እናተሳለጠ ከም ዝኾነ ተዛሪበን።
ኣብታ ከተማ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ንኣዲስ ኣበባ ማእኸል ቱሪዝም ሕክምና ምግባር ዘኽእሉ ከም ዝኾኑ እውን ኣብራህሪሀን።
ኣብቲ ዓውዲ ሓዱሽ ብልፅግና ኣብ ምብሳር ውፅኢታዊ ስራሕቲ ከም ዝተሳለጡ ብምሕባር፤ ኣብ ቀፃሊ እውን ትካላት ሕክምና ካብ ምህናፅን ብዘበናዊ መሳርሕታት ካብ ምምዕባልን ብተወሳኺ ብቑዓት ሰብ ሞያ ንምፍራይ ብትኹረት ከም ዝስራሕ ኣረጋጊፀን።
ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ብግደአን፤ መንግሥቲ ምክልኻል ሕማምን ሓኪምካ ምድሓንን ዘዋደደ ፖሊሲ ብምኽታል ንዓውዲ ጥዕና ፍሉይ ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ እዩ ኢለን።
እቲ ሓዱሽ ሎሚ ዝተመረቐ ማእኸል ልህቀት ምርመራ ዲኤንኤ፣ ፎረንሲክን ስነ ምረዛን እውን ንሕብረተሰብን ስርዓት ፍትሕን ኣብ ሓደ መስኮት ዝተወደበን ቅልጡፍን ኣገልግሎት ምሃብ ዘኽእል ከም ዝኾነ ገሊፀን።