ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ብመራፅነትን ተዓዛብነትን ዝተባባዕ ተሳትፎ ገይረን እየን

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 28/2016(ኢዜኣ) ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ብመራፅነትን ተዓዛብነትን ዝተባባዕ ተሳትፎ ከም ዝገበራ ፌዴሬሽን ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ ገሊፁ።
ፌዴሬሽን ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ዝነበረ ሓፈሻዊ ከይዲ ተሳትፎ ደቂ አንስትዮ ብዝምልከት መግለፂ ሂቡ።
ዋና ዳይሬክተር ፌዴሬሽን ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ ገነት ስዩም ኣብ መግለፂአን፤ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ኢትዮጵያ ሰላማውን ዲሞክራሲያውን ኮይኑ ንክዛዘም እቲ ፌዴሬሽን እጃሙ ከም ዝተዋፀአ ተዛሪበን።
ስለዝኾነ ድማ ኣባላት እቲ ፌዴሬሽን ዘይሻራውነቶም ሓልዮም እጃም ተዓዛብነቶም ብኣግባቡ ከም ዝተዋፅኡ ሓቢረን።
እቲ ፌዴሬሽን ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ልዕሊ 14 ሽሕ ተዓዘብቲ ብምውፋር 25 ሽሕን 384 ጣብያታት መረፃ ናይ ምዕዛብ ስራሕ ከም ዘሳለጠ ኣረዲአን።
ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝነበሩ መረፃታት ምምሕያሽ ከም ዝተርኣየ ብምግላፅ፤ ኣብቲ ሓፈሻዊ መረፃ ብመራፅነትን ተዓዛብነትን ዝተባባዕ ተሳትፎ ከም ዝገበራ ተዛሪበን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም