ሕብረት ኣፍሪካን ቻይናን ስትራቴጂካዊ ምሕዝነቶም ንምጥንኻር ዘለዎም ድልዉነት ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 28/2018 (ኢዜኣ) ሕብረት ኣፍሪካን ቻይናን ስትራቴጂካዊ ምሕዝነቶም ንምጥንኻር ከም ዝሰርሑ ኣፍሊጦም።
ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ ንመራሒ ሚሲዮን ቻይና ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ጂያንግ ፌንግ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም።
እቶም ኣቦ መንበርን እቶም ኣምባሳደርን ኣብ ዘተኦም፤ ኣብ መንጎ ሕብረት ኣፍሪካን ቻይናን ኣብ ዘሎ ስትራቴጂካዊ ምትሕብባር ከምኡ እውን ሓባራዊ ድሌታት ኣብ ዝኾኑ ጉዳያት ዘትዮም።
ኣብ ትሕቲ መድረኽ ምትሕብባር ቻይና-ኣፍሪካ (FOCAC) ዝሳለጡ ስራሕቲ ሓዊሱ ኣብ መንጎ እታ ኣህጉርን ቻይናን ዘሎ ዘላቒ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ብዝበለፀ ኣብ ዝጠናኸረሉ እውን ከም ዝዘተዩ ሕብረት ኣፍሪካ ንኢዜኣ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ገሊፁ።



ብተወሳኺ እውን ቻይና ኣፍሪካ ቀዳምነት ንትህቦም ጉዳያት ልምዓት ትገብሮ ደገፍን ሓደሽቲ ዕንቅፋታት ብሓባር ንምስፋታሕ ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕትን ዝምልከት እውን ሓሳብ ተለዋዊጦም።
ቻይና ኣብ ጎኒ ኣፍሪካ ብምዃን ንተርእዮ ቀፃልነት ዘለዎ ሓድነት እቶም ኣቦ መንበር ዘለዎም ናእዳ ዝገለፁ እንትኸውን፤ ብፍላይ ድማ ለበዳ ኢቦላ ንምቁፅፃር ኣብ ዝተገበረ ወፍሪ ንዝገበረቶ ቅልጡፍን እዋናውን ደገፍ ምስጋንኦም ኣቕሪቦም።
ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዙርያ ምትሕብባር ኢኮኖሚ እውን ዝዘተዩ እንትኸውን፤ ቻይና ካብ ኣፍሪካ ናብ ሃገራ ንዝለኣኹ ፍርያታት ዝዘርገሐቶ ነፃ ቀረፅ ዕድል ንግዲ(ኢንሼቲቭ) እቲ ዋና ትኹረት እዩ።
ናይ ነዊሕ እዋን ፍኖተ ካርታ እታ ኣህጉር ዝኾነ ሽቶታት ኣጀንዳ 2063 ንምዕዋት ኣብ ሓባራዊ ተረባሕነት መሰረት ዝገበሩ ምሕዝነተታት ምጥንኻር ወሳኒ ከም ዝኾነ እውን እቶም ኣቦ መንበር ኣረዲኦም።
ክልቲኦም ወገናት ንመትከላት ሉኣላዊነት፣ግዝኣትን በዓል ብዙሕ ወገን ምትሕብባርን ዘለዎም ፅኑዕ ቅዋም እውን ገሊፆም።
ሰላም፣ልምዓትን ሓባራዊ ብልፅግናን እታ ኣህጉር ንምርግጋፅ ብዝበለፀ ጠንካራ ምሕዝነት ኣፍሪካ-ቻይና ምፍጣር ከም ዝግባእ ኣፅንኦት ከም ዝሃቡ እውን ሓበሬታ እቲ ሕብረት የመላኽት።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም