እቲ ስልጠና ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምሕዝነት ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዘኽእል እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
እቲ ስልጠና ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምሕዝነት ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዘኽእል እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 28/2018 (ኢዜኣ) ብኢንስቲትዩት ጉዳይ ወፃኢ ዝተዳለወ ስልጠና ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ዘሎ ክልቲኣዊ ርክብ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምስግጋርን ዘላቒ ምሕዝነት ብዝበለፀ ንምጥንኻርን ከም ዘኽእል ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩት ጃፋር በድሩ ገሊፆም።
ኢንስቲትዩት ጉዳይ ወፃኢ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ዘሎ ዞባዊ ምትሕብባር፣ህንፀት ዓቕምን ስትራቴጂካዊ ርክብን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዝዓለመ ላዕለዋይ ስልጠና ዲፕሎማሲ ንዲፕሎማት ደቡብ ሱዳን ምሃብ ጀሚሩ።
ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ጉዳይ ወፃኢ ጃፋር በድሩ ኣብዚ እዋን፤ ዕሙቕ ምትእስሳር ታሪኽ፣ ባህሊ፣ቋንቋን ዶብ ተሳጋሪ መንነትን ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ኣብራህሪሆም።
ክልቲአን ሃገራት ዝተጠናኸረ ምሕዝነትን ጉርብትናን ከም ዘለወን ብምግላፅ፤ ጠንካራ ሓባራዊ መፃኢ ዕድል ንምሕንፃፅ ወሰንቲ እየን ኢሎም።
እቲ ዝተዳለወ ስልጠና እውን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምስግጋርን ዘላቒ ምሕዝነት ብዝበለፀ ንምጥንኻርን ልዑል ኣስተዋፅኦ ከም ዘለዎ ተዛሪቦም።
እቲ ስልጠና ኣብ ዙርያ ዞባዊ ምትሕብባርን ክልቲኣዊ ርክብን እጃም ዲፕሎማት እንታይ ክኸውን ከም ዘለዎ ሰፊሕን ጠቓምን ግንዛበ ዘጨብጥ ከም ዝኾነ እውን ወሲኾም ገሊፆም።
ምክትል ኣምባሳደር ኤምባሳሲ ደቡብ ሱዳን ኣብ ኢትዮጵያ ቶክ ዴንግ ብግደኦም፤ እቲ ስልጠና ህንፀት ዓቕምን ንቑሕ ልውውጥ ልምድን ካብ ምፍጣር ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ንዘሎ ምትሕብባርን ዕሙቕ ታሪኻዊ ርክብን ብዝበለፀ ከም ዘዕብዮ ኣረዲኦም።