ስራሕ ልምዓት ወሰና ወሰን ሩባ ንኣዲስ ኣበባ ሰብ ማእኸል ዝገበረት ከተማ ንምግባር ዝተሓሰበ ናይ ነዊሕ እዋን ኢንቨስትመንት እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 28/2018 (ኢዜኣ) ስራሕ ልምዓት ወሰና ወሰን ሩባ ንኣዲስ ኣበባ ሰብ ማእኸል ዝገበረት ከተማ ንምግባር ዝተሓሰበ ናይ ነዊሕ እዋን ኢንቨስትመንት ከም ዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከም ዝበልዎ፤ ልምዓት ወሰና ወሰን ሩባ ኣዲስ ኣበባ ወሰን ሩባታት ካብ ምምልኻዕ ዝተሳገረ ፋይዳ ዝሓዘ ፕሮጀክት እዩ።
‎ካብ እንጠጦ ክሳብ ፒኮክ፣ ከምኡ እውን ካብ እንጠጦ ክሳብ ቀበና ኣብ ዘሎ መስመር ዝሳለጥ መጠነ ሰፊሕ ትራንስፎርሜሽን ከተማ ካብቶም ሩባታት ብዝሓለፈ 50 ሜትር ዝዘልቕ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ኮሪደራት ሓምለዋይ፣ ቦታታት መአከቢ ህዝቢ፣ መንገዲ እግረኛታት፣ መዘናግዒ ሰፈራትን ልምዓት ቦታት ንግድን ዝሓዘ ኮይኑ ነታ ከተማ እውን ኣዝዩ ዝቐየረ እዩ ኢሎም።‎
ኣድላይነት እቲ ፕሮጀክት ፍሉይ ዝገብሮ ድማ ዝለዓለ ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ረብሓኡ እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ምስሊ ወሰናት ሩባን ኣገልግሎትን ካብ ምምሕያሽ ብተወሳኺ ኣብ ኮንስትራክሽን፣ ኢንጅነሪንግ፣ህንጸት ፅባቐ መልክዓ ምድሪ፣ሎጂስቲክስን ካልኦት ተዛመድቲ ዓውድታትን ንቡዙሓት ሰባት ዕድል ስራሕ ዝፈጠረ ከም ዝኾነን ንሃገር ቦቆል ኮንትራክተራት፣ መቕረብትን ንግድታትን እውን ዕድላት ዘመቻቸወ ከም ዝኾነ ኣረዲኦም።
ዝበዝሕ ስራሕ ብመሃንዲሳት ውሽጢ ሃገር ምቕራፁን ምትግባሩን፤ ኢትዮጵያውን ሞያተኛታት ኣብ ህንፀት ልምዓት ከተማን መሰረተ ልምዓትን ዘለዎም ዓቕሚ እናዓበየ ከም ዝመፀ ዘርኢ እዩ ኢሎም፡፡
ዘላቕነት እቲ ልምዓት እውን ብማዕረ ትኹረት ዝውሃቦ እከም ዝኾነ ብምሕባር፤ ቅድም ኢሉ መርዛማ ኬሚካላትን ጎሓፋትን ዝድርበየሎም፣ኣብ ልዕሊ ኣብ ወሰናት ሩባ ዝነብሩ ማሕበረሰብ ሓደጋ ውሑጅ ዝፈጥሩ ዝነበሩ እዞም ከባቢታት ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ ሓምለዋይ፣ጥዕና ዘለዎን ንሂወት ምቹውን ናብ ዝኾነ ቦታታት ከተማ እናተቐየሩ ከም ዝርከቡ ኣብሪሆም።
እዚ ቅልጡፍ ስራሕ ልምዓት ኣዲስ ኣበባ ሓምላዋይ፣ዝበለጸት ዝተኣሳሰረት፣ ብኢኮኖሚ ንቑሕትን ሰብ ማእኸል ዝገበረትን ከተማ ንምግባር ኣብ መፃኢ ዕድላ መሰረት ዝተቐመጠሉ ናይ ነዊሕ ግዘ ኢንቨስትመንት ከም ዝኾነ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም