ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ኣገልግሎታት መንግሥቲ ብምምዕባል ምንግልታዕ ዜጋታት እናትረፈ እዩ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ኣገልግሎታት መንግሥቲ ብምምዕባል ምንግልታዕ ዜጋታት እናትረፈ እዩ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 27/2018(ኢዜኣ) ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ኣገልግሎታት መንግሥቲ ብምምዕባል ምንግልታዕ ዜጋታት እናትረፈ ከም ዝኾነ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ክፍለ ከተማ ኮልፌ ቀራኒዮ ዝተሃነፀ ዲጂታል ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ መሪቐን ስራሕ ኣጀሚረን።
እተን ከንቲባ ኣብ እዋን እቲ ምረቓ ከም ዝበልኦ፤ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ፍትሓዊነት ኣገልግሎታት መንግሥቲ ዘረጋግፅ ቅልጡፍን ስሉጥን ምህዳር እናተፈጠረ እዩ።
ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ እውን እቲ ሕብረተሰብ ኣገልግሎታት መንግሥቲ ንምርካብ ዘጋጥሞ ፀገም ሰናይ ምምሕዳር ኣብ ምትራፍ ኣወንታዊ እጃም እናበርከት ከም ዝርከብ ኣብራህሪሀን።
መሶብ ካብ ሓደ ማእኸልነት ናብ ተንቀሳቓሲ ብምስግጋር ኣድማስ ተበፃሕነቱ ናይ ምስፋሕ ስራሕ እናተሰርሐ ከም ዝኾነ እውን ሓቢረን።
ንምረቓ ዝበቕዐ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ኮልፌ እውን ነቲ ሕብረተሰብ ዘበናውን ቅልጡፍን ኣገልግሎት ምሃብ ብዘኽእል መልክዑ ከም ዝተሃነፀ ኣረዲአን።