7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ኣሸናፊነት ኢትዮጵያን ህዝባን ብተግባር ዝተርኣየሉ እዩ-ምትሕብባር ንሓድነት ኢትዮጵያ - ኢዜአ ትግርኛ
7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ኣሸናፊነት ኢትዮጵያን ህዝባን ብተግባር ዝተርኣየሉ እዩ-ምትሕብባር ንሓድነት ኢትዮጵያ
ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 27/2018(ኢዜኣ) 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ኣሸናፊነት ኢትዮጵያን ህዝባን ብተግባር ዝተርኣየሉ ከም ዝኾነ ምትሕብባር ንሓድነት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ሓላፊ ጉዳያት መረፃ ምትሕብባር ንሓድነት ኢትዮጵያ ኣይተ ምርጫው ስንሻው ከም ዝበልዎ፤ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ሓቃዊ ድሌት ኢትዮጵያውያን ዘንፀባረቐን ሞራል ታሪኻዊ ፀላእቲ እታ ሃገር ዝሰበረን እዩ።
እቲ መረፃ፤ እቲ ህዝቢ ንሰላምን ሉኣላዊነትን ሃገሩ ዘለዎ ፅኑዕ ቆራፅነት ብተግባር ዘርኣየሉ ከም ዝኾነ እውን ሓቢሮም።
ሃገር ካብ ጥፍኣት ሓልዩን ተኸኣኢሉን መንግሥቲ ዘጣይሽ እቲ ህዝቢ ባዕሉ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ እቲ ሓቃዊ ኣሸናፊ እቲ ህዝቢ ከም ዝኾነ ኣረዲኦም።
እቲ መረፃ ንከይሳለጥ ዋላ ኳ ካብ ውሽጥን ወፃእን ልዑል ፅልዋ እንተተገበረ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንኩሎም ፈተናታት ብብስለትን ብፅንዓትን ተፃዊሩ ከም ዝመረፀ ኣረዲኦም።
እቲ ህዝቢ ደላዪ ሰላም ስለ ዝኾነ እቲ መረፃ ብዓወት ክዛዘም ከም ዝኸኣለ ብምሕባር፤ ነዚ ድማ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክምስገንን ክድነቕን ይግባእ ኢሎም።
"ምትሕብባር ንሓድነት ኢትዮጵያ" ንዘላቒ ሰላም ሃገር ዝጠቅም ሰላማዊ ቃልሲ ጥራሕ እዩ ዝብል መትከል ብምሓዝ ናብቲ መረፃ ከም ዝኣተወ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ፤ በዚ ድማ ውድቦም ምስቲ ህዝቢ ብምዃን ታሪኻዊ ኣሰር ከም ዘንበረ ተዛሪቦም።
ዲሞክራሲያውነት መረፃ እዚ ዓመት ብዓለም ለኸን ኣህጉራውን ተዓዘብቲ እውን ተቐባልነት ዝረኸበ ከም ዝኾነ ዝገለፁ ኣይተ ምርጫው፤ ሕብረት ኣፍሪካ፣ ሕብረት ኣውሮፓ፣ ኣሜሪካን ጃፓንን ሓዊሱ ብርክት ዝበላ ሃገራትን ትካላትን ምስክርነቶም ዝሃብሉን ኢትዮጵያውያን ከም ዝኽእሉ ንዓለም ዘርኣይሉን ኣጋጣሚ ከም ዝኾነ ኣብራህሪሆም።
ከይዲ እቲ መረፃ ዕዉት ንክኸውን ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ቅድመ መረፃን እዋን መረፃን ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምውዳድ ዘሳለጦም ስራሕቲ ቁልፊ ኣስተዋፅኦ ከም ዝነበሮም እውን ገሊፆም።
ንዕዉትነት እቲ ከይዲ ልዑል ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ ኣካላት ፀጥታ፣ ሲቪል ማሕበራትን በቢ ብርኩ ዝርከቡ ኣመራርሓን እቲ ፓርቲ ዘለዎ ምስጋና ኣቕሪቦም።