ሓባራዊ ግብረ ሓይሊ ፀጥታን ድሕንነትን ኣፈፃፅማ ሰላምን ድሕንነትን 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ገምጊሙ

ኣአዲስ ኣበባ/ግንቦት 27/2018(ኢዜኣ) ፀብፃብ ኣፈፅፅማ ሰላምን ድሕንነትን 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ኢትዮጵያ ሓባራዊ ግብረ ሓይሊ ፀጥታን ድሕንነትን ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ተገምጊሙ።
ላዕለዋይ ኣዛዚ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ገ/ሚካኤል ኣብዚ መድረኽ ተረኺቦም ከም ዝበልዎ፤ እቲ ሓባራዊ ግብረ ሓይሊ ኣብ እዋናት ቅድመ መረፃ፣መረፃን ድሕረ መረፃን ዝሳለጡ ስራሕቲ ከም ሃገር ትልሚ ኣውፂኡን ኣዋዲዱን ስለዝመርሐን ብተግባር ዝተፈተሸ፣ዝተናበበን ሰላም ንምፅናዕ ጅግንነት ዝተርኣየሉን ተግባር ስለዝተሰርሐን እቲ መረጻ ብሰላም ክዛዘም ክኢሉ እዩ።



ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ብመንግሥቲ ትኹረት ተዋሂብዎ ኣብ ትካላት ፀጥታን ድሕንነትን ብዝተገበረ ሪፎርም ኣብዚ ሕዚ እዋን ብጭቡጥ ዓበይቲ ልኡኽቶታት ምሽካም ዝኽእሉ ትካላት ፀጥታ ከም ዝተፈጠሩ ኣብ እዋን እቲ መረፃ ዝተመዝገበ ዓወት መርኣያ እዩ ኢሎም።
እቲ ሓባራዊ ግብረ ሓይሊ 7ይ ሓፈሻ መረፃ ንምትዕንቓፍ ብፀላእቲ ውሽጢ ሃገርን ወፃእን ዝተዋደደ ዓብይ ሽርሒ ዘፈሸለ፣ሉኣላዊነት ሃገር ዘረጋገፀ፣ውፅኢት እቲ ሪፎርም ብተግባር ዝተለከዐሉን ዝተርኣየሉን ከም ዝኾነ ተዛሪቦም።
ከም ትካል ፀጥታ ክንኾርዕን ክንምካሕን ዘለና ብህዝቢ ኢትዮጵያ እዩ ዝበሉ እቶም ኮሚሽነር ጀነራል፤ ኣብ ሃገርና ዝኸውን ዘሎ ተረዲኡ፣ንኹሉ ብሚዛን ብምርኣይ፣መዓልቲ እቲ መረፃ እንትበፅሕ ንኩላትና ትምህርቲ ዘመሓላለፈ ሓድነትን ሉኣላዊነትን ሃገር ዘፅነዐ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዓብይ ህዝቢ ከም ዝኾነ ዘረጋገፀሉ ከምኡ እውን ድሕሪ ሕዚ መንግስቲ ብካርዲ እምበር ብጥይት ኣይኸውን ዝብል መልእኽቲ ዘመሓላለፈሉ መረፃ ከም ዝኾነ እውን ኣረዲኦም።
ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ ልዕሊ ግብረ ራዕዳውያንን ፅንፈኛታትን ዝተጀመረ ዝተዋደደ ኦፕሬሽን ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል ዝገለፀ እቲ ሓባራዊ ግብረ ሓይሊ፤ ውፅኢት እቲ መረፃ ተፈሊጡ ምስረታ ሓዱሽ መንግሥቲ ክሳብ ዝሳለጥ ክሳብ መወዳእታ ቀፃሊ ወርሒ መስከረም ዘለዉ ህዝባውን መንግሥታውን ፍፃመታት ብዓወትን ብሰላምን ንክዛዘሙ ስርሑ ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል ኣንፈት ከም ዘቐመጠ ኣፍሊጡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም