ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዝተሳለጡ ህንፀት መሰረተ ልምዓት ኢትዮጵያ ማእኸል ቱሪዝም ጥዕና ንምግባር ዓብዪ ዓቕሚ እናኾኑ እዮም

ኣዲስ ኣበባ፤ ጉንቦት 27/2018 (ኢዜኣ)፦ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዝተሳለጡ ህንፀት መሰረተ ልምዓት ኢትዮጵያ ማእኸል ቱሪዝም ጥዕና ንምግባር ዓብዪ ዓቕሚ እናኾኑ ከም ዝመፁ ሚኒስትር ዲኤታ ጥዕና ዶክተር ደረጄ ዱጉማ ገሊፆም፡፡ 
መንግስቲ ኢትዮጵያ ጥዕና ዜጋታት ንምሕላውን ፍትሓዊ ተበፃሕነት ጥዕና ንምርግጋፅን ሓዱሽ ዝተመሓየሸ ፖሊሲ ጥዕና ኣብ ስራሕ ዘውዓለ እንትኸውን፤ እቲ ፖሊሲ ሕማማት ኣብ ምክልኻልን ሓኪምካ ኣብ ምድሓንን ትኹረት ዝገበረ እዩ፡፡ 
ሚኒስትር ዲኤታ ጥዕና ዶክተር ደረጄ ዱጉማ ንኢዜአ ከም ዝገለፅዎ፤ ካብ ቀረባ ግዘታት ጀሚሩ ዝርአ ዘሎ ምቕያር ሜላ መነባብሮ ሕብረተሰብ፣ ምዝባዕ ስርዓት ኣመጋግባን ውስንነት ምንቅስቓስን ተሓላለፍቲ ዘይኮኑ ሕማማት ክውስኹ ምኽንያት ኮይኑ እዩ፡፡ 
ስለ ዝኾነ ድማ እቶም ሕማማት ብዝተፈላለዩ ብርክታት ምፍላይን ዓቕሚ ሓኪምካ ምድሓንን ክዓቢ ምግባር ኣድላይ ኮይኑ ስለዝተረኸበ እቲ ሓዱሽ ፖሊሲ ሓኪምካ ምድሓን ብትኹረት ተግባራዊ እናተገበረ እዩ ኢሎም፡፡ 
ነቲ ሓዱሽ ፖሊሲ ስዒቡ ኣብ ኩሎም ብርክታት ትካላት ጥዕና እታዎት ሕክምና ከምኡ እውን ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ ብቑጽርን ብዓይነትን ክህልዎም ኣብ ምግባር ሕብረተሰብ ጥዕና ንምሕላው ዘኽእሉ ብርክት ዝበሉ ተግባራት እናተሳለጡ ከም ዝኾኑ እውን ሓቢሮም፡፡ 
ዓበይቲ ሆስፒታላት ዓለም ለኸ ደረጅኦም ዝሓለዉ ክኾኑ ናይ ምግባር ስራሕቲ እናተሳለጡ ከም ዝኾኑ ብምግላፅ፤ እቶም ሆስፒታላት ቅድሚ ሐዚ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘይውሃቡ ዝነበሩ ዝልዓሉ ኣገልግሎታት ሕክምና ብስፍሓት ምሃብ ከም ዝጀመሩ ተዛሪቦም፡። 
እዚ ዓወት ቁፅሪ ዝሐሸ ሕክምና ደልዮም ናብ ወፃኢ ዝኸዱ ዜጋትት ትርጉም ብዘለዎ መልክዕ ክቕንስ ከም ዝገበረ ኣመላኺቶም፡፡ 
ኢትዮጵ ማእኸል ቱሪዝም ጥዕና ንምግባር ዝተትሓዘ ሽቶ ውፅኢታዊ ንምግባር ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከተማታት ክልላትን ብመንግስትን ዓውዲ ውልቀን ዓበይቲ ሆስፒታላት ተሃኒፆም ናብ ስራሕ ከም ዝኣተዉ ገሊፆም፡፡ 
ብኻልእ መዳይ ድማ መድሓኒታትን ናውቲ ሕክምናን ብዓቕሚ ውሽጢ ዓዲ ምፍራይ ምኽኣል ንዘላቒ ዓወት እቲ ዓውዲ ወሳኒ ጉዳይ ከም ዝኾነ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ፤ ኣብዚ ጉዳይ መንግስቲ ትኹረት ሂቡ ብምንቅስቓሱ ዝተባብዑ ውፅኢታት ከም ዝተመዝገቡ ተዛሪቦም፡፡ 
ብመሰረት እዙይ ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት መድሓኒታትን ናውቲ ሕክምናን ብባዕላዊ ዓቕሚ ምፍራይ ካብ ዝነበረሉ ዝተሓተ 8 ሚኢታዊ፤ ኣብዚ እዋን ናብ 44 ሚኢታዊ ምዕባይ ከም ዝተኽኣለ ገሊፆም፡፡
ኣብ ቀፃሊ እውን መፍረይቲ ውሽጢ ዓዲ ብዝበለጸ ብምጥንኻር እቲ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ናብ 60 ሚኢታዊ ንምብፃሕ ብትኹረት እናተሰርሐ ከም ዝኾነ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ኣረዲኦም፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም