ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ካብ እንጠጦ ክሳብ ቀጨኔ መድኃኔዓለም ዘሎ ፕሮጀክት ልምዓት ወሰና ወሰን ሩባ ስራሕ ኣጀሚሮም

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 25/2018 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ካብ እንጠጦ ክሳብ ቀጨኔ መድኃኔዓለም ዘሎ ፕሮጀክት ዳግማይ ምልማዕን ልምዓት ወሰና ወሰን ሩባን ሎሚ ንጉሆ ስራሕ ኣጀሚሮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኣብ ፅባሕ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ሎሚ ንጉሆ ካብ እንጠጦ ክሳብ ቀጨኔ መድኃኔዓለም ዘሎ ፕሮጀክት ዳግማይ ምልማዕን ልምዓት ወሰና ወሰን ሩባን ብዕሊ ስራሕ ኣጀሚርና ኢሎም።



እዚ ዓብይ ተበግሶ ዝባደሙ ከባብታት ብዘበናዊ ዕቀባ ሓመድን ምፅራይ ሩባን ናብ ሓምለዋይ ስፍራታት ብምቕያር፣ፓርክታት ፍራ ምረ ካብ ጉዕዞ እግሪ ክሳብ መንገድታት ብስክሌት ብምውዳድ ንከተማና ኣሐዲሱ እዩ ክብሉ እውን ገሊፆም።
እቲ ፕሮጀክት ብሓፈሻ 22 ነጥቢ 25 ኪሎ ሜትሮ ልምዓት ወሰን ሩባ ከም ዝሽፍን ብምግላፅ፤ ንዘይቆራረፅ ስራሕ ልምዓትና ህያው ምስክር ካብ መዃኑ ብተወሳኺ ሃገራዊ ዕቤትና፣ሓለዋ ከባብን ሕድሳት ከተማን ብተግባር ዝተርኣየሉ እዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም