ርእሰ ምምሕዳር ኣወል ኣርባ ኣብ ትሕቲ መረፃ ክልል ጭፍራ ኣብ ዝርከብ ጣብያ መረፃ ኣሳዳ ድምፂ ሂቦም

ጭራ ጉንቦት 24/2018(ኢዜኣ)፦ ርእሰ ምምሕዳር  ክልል ዓፋር ኣወል ኣርባ ኣብ ትሕቲ መረፃ ክልል ጭፍራ ኣብ ዝርከብ ጣብያ መረፃ ኣሳዳ ድምፂ ሂቦም።

ርእሰ ምምሕዳር ኣወል ኣርባ ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ፤ መረፃ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንምህናፅን ጠንካራ ሃገረ መንግስቲ ንምምስራትን ወሳኒ መሰረት ከም ዝኾነ ኣገንዚቦም።

ከም ዜጋ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ሞንጎ ህዝቦም ተረኺቦም ድምፆም ብምሃቦም ዝለዓለ ኩርዓት ከም ዝተሰመዖም እውን ገሊፆም።

ኣብቲ ከተማ እናተኻየደ ዝርከብ ከይዲ ኣወሃህባ ድምፂ  7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ተዓዘብትን ፈፀምትን መረፃ ኣብ ዝተረኸብሉ እናተሳጠ እዩ ዝርከብ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም