ርእሰ ምምሕዳር ሙስጠፌ ሙሀመድ ኣብ ጣብያ መረፃ ከተማ ደገሀቡር ተረኺቦም ድምፆም ሂቦም

ኣዲስ ኣበባ፤ ጉንቦት 24/2018(ኢዜኣ)፦ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ሙስጠፌ ሙሀመድ ኣብ ከተማ ደገሀቡር ጣብያ መረፃ ቀበሌ 06 ጋራዶ ፎቅ ተረኺቦም ድምፆም ሂቦም።

ኢትዮጵያውያን ንሻብዓይ ሓፈሻዊ መረፃ ካብ ንጉሆ 12 ሰዓት ጀሚሮም ድምፆም እናሃቡ እዮም ዝርከቡ።

ነበርቲ ከተማ ደገሀቡር ኣብ ጣብያ መረፃ ቀበሌ ጋራዶ ፎቅ ንዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓመታት ይውክለኒ እዩ ንዝብልዎ ሕፁይ ፓርቲ እናመረፁ እዮም ዝርከቡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም