ተዓዘብቲ መረፃ ኢጋድ ኣብ ክልል መረፃ ባህርዳር ከይዲ ኣወሃህባ ድምፂ እናተዓዘቡ እዮም

ኣዲስ ኣበባ፤ ጉንቦት 24/2018(ኢዜኣ)፦ ተዓዘብቲ መረፃ ኢጋድ ከይዲ ኣወሃህባ ድምፂ ሻብዓይ ሓፈሻዊ መረፃ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል መረፃ ባህርዳር ብምርካብ እናተዓዘቡ እዮም።

ኣብ ሻብዓይ ሓፈሻዊ መረፃ ልዕሊ 54 ሚሊዮን መረፅቲ ካርዲ መረፃ ዝወሰዱ እንትኸውን፤ መረፅቲ ካብ ንጉሆ 12 ሰዓት ጀሚሩ ድምፂ እናሃቡ እዮም ዝርከቡ።

ኣብ ከተማ ባህርዳር እውን ኣብ 164 ጣብያታት መረፃ ከይዲ ኣወሃህባ ድምፂ ተዓዘብቲ ኣብ ዝተረኸብሉ ይቕፅል ኣሎ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም