ኣብ ኢትዮጵያ ዝግበር ዕዉት ከይዲ መረፃ ካብታ ሃገር ብዝዘለለ ዓብይ ትርጉም ኣለዎ-ኡሁሩ ኬንያታ

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 24/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ኢትዮጵያ ዝግበር ዕዉት ከይዲ መረፃ ካብታ ሃገር ብዝዘለለ ዓብይ ትርጉም ከም ዝህልዎ ነበር ፕሬዚዳንት ኬንያን መራሒ ጉጅለ ተዓዛቢ መረፃ ሕብረት ኣፍሪካን ኡሁሩ ኬንያታ ገሊፆም።
መበል 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ኢትዮጵያ ካብ ንጉሆ ሰዓት 12 ጀሚሩ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
ብነበር ፕሬዚዳንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ዝምራሕ ጉጅለ ተዓዛቢ መረፃ ሕብረት ኣፍሪካ (AUEOM) ምድላው ፈፀምትን ከይዲ ኣወሃህባ ድምፅን እናተዓዘበ እዩ ዝርከብ።



ኡሁሩ ኬንያታ ኣብቲ እዋን ትዕዝብቲ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፤ መረፃታት ኣብ መላእ ኣፍሪካ ዲሞክራሲያዊ ምምሕዳር ንምጥንኻር ዘለዎም ረብሓ ኣብራህሪሆም።
ድምፂ ምሃብ ማለት ዜጋታት ተወከልቶምን መራሕቶምን ንምምራፅ ዘለዎም ዲሞክራሲያዊ መሰል ዝለማመድሉ ከይዲ እዩ ኢሎም።
ዋላ ኳ ከይድታት ዲሞክራሲ ፈተናታት ከጋጥምዎም እንተኸኣሉ ሕድ ሕድ መረፃ ምምሕያሽ ንምምፃእን ዲሞክራሲ ብዝበለፀ ንምጥንኻርን ምችው ኣጋጣሚ ከም ዝፈጥር ሓቢሮም።
ኢትዮጵያ ፍልይቲ ዋና ዲፕሎማሲያዊ መቐመጢት ኣፍሪካ ከም ዝኾነት ብምግላፅ፤ ኣብታ ሃገር ዝግበር ዕዉት ከይዲ መረፃ ካብታ ሃገር ብዝዘለለ ዓብይ ትርጉም ከም ዝህልዎ ኣረዲኦም።
መበል 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ኢትዮጵያ ተስፋ ዲሞክራሲ ኣፍሪካ ዘንፀባርቕ እዩ እዩ ክብሉ እውን ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም