ብንጉሆኡ ወፂና ድምፂ ምሃብ ብምኽኣልና ሕጉሳት ኢና-መረፅቲ

ኣዲስ ኣበባ፤ ጉንቦት 24/2018(ኢዜኣ)፦ ኣብ ሻብዓይ ሓፈሻዊ መረፃ ብንጉሆኡ ወፅዮም ድምፆም ምሃብ ብምኽኣሎም ሕጉሳት ከም ዝኾኑ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ የካ ኣብ ዝርከቡ ጣብያታት መረፃ ድምፆም ዝሃቡ መረፅቲ ገሊፆም።
ከይዲ ድምፂ ምሃብ ሻብዓይ ሓፈሻዊ መረፃ ሎሚ መዓልቲ ካብ ንጉሆ ሰዓት 12 ጀሚሩ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
ኢትዮጵያ እናመረፀት እያ።
መረፅቲ መንነቶም ዝገልፅ መለለዪ ካርድን ካርዲ መረፅኦምን ብምሓዝ ኣብ ጣብያታት መረፃ ብምርካብ ድምፆም እናሃቡ እዮም ዝርከቡ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ የካ ዝርከብ ጣብያ መረፃ ቅዱስ ማርቆስ ኢዜኣ ዘዘራረቦም ድምፆም ዝሃቡ መረፅቲ፤ ብንጉሆኡ ወፂና ድምፅና ስለዝሃብና ሕጉሳት ኢና ኢሎም።
ኣብ ክፍለ ከተማ የካ ነባራይ ወረዳ 01 በቀለ ቀናአ ድምፂ ንምሃብ ንጉሆ 11 ሰዓት ካብ ገዛኦም ከም ዝተበገሱ ተዛሪቦም።



ይኾነኒ ንዝበልኩዎ ፓርቲ ድምፀይ ሂበ ኣለኹ ኢሎም።
ድምፀይ ንምሃብ ብጉሓቱ ሰዓት 10 ካብ ገዛይ ብምውፃእ ይኾነኒ ዝብሎ ፓርቲ መሪፀ ኣለኹ ዝበላ ድማ ካልእቲ ወሃቢት ርእይቶ ወይዘሮ ወሰንየለሽ ወርቅእሽት እየን።
ኣብቲ ጣብያ መረፃ ዝተዳለወ ምቹው ተራ መሐለዊ ቦታ ከምኡ እውን ኣብ ከይዲ እቲ መረፃ ፈፀምቲ መረፃ ዝህብዎም ገለፀታት ድምፆም ብቕልጣፈ ክህቡ ከም ዘኽኣሎም ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም